ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

እሙናት ኪባረኹ ርእየ

እሙናት ኪባረኹ ርእየ

ምናልባት ነቲ ንዓኻትኩም ብፍላይ ዜገድሰኩም ምስ ሰብ ዝገበርኩምዎ ዕላል ትዝክርዎ ትዀኑ። ኣነ ኣስታት 50 ዓመት ይገብር ኣብ ኬንያ ኣብ ጥቓ መጋርያ ምስ ሓደ ዓርከይ ኮፍ ኢልና ዝገበርናዮ ዕላል ኣይርስዖን እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ሃገር ንኣዋርሕ ስለ ዝዞርና፡ ቈርበትና ደቢኑ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ሓንቲ ንሃይማኖታዊ ነገራት እትተናኺ ፊልም እናኣዕለልና ኸለና ኸኣ፡ ዓርከይ፡ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ እያ ገሊጻቶ” በለኒ።

እዚ ኣስሓቐኒ፣ ስለምንታይሲ፡ ንዓርከይ ከም ሃይማኖተኛ ሰብ ገይረ ኣይኰንኩን ዚርእዮ ነይረ። ስለዚ፡ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እትፈልጦ ኣሎካ፧” በልክዎ። ቅልጡፍ ምላሽ ኣይሃበንን። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ኣዲኡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና ነገረኒ፣ ካብኣ ድማ እተወሰነ ነገራት ተማሂሩ ነይሩ እዩ። በዚ ስለ እተሃንጠኹ፡ ተወሳኺ ነገራት ኪነግረኒ ደፋፋእክዎ።

ኣመና ኽሳዕ ዚመሲ፡ እዚ ዕላልና እዚ ቐጸለ። ዓርከይ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኢሉ ኸም ዚጽውዖ ነገረኒ። (ዮሃ. 14:30) ምናልባት ገሌኻትኩም ነዚ ኣብ ምሉእ ህይወትኩም ትፈልጥዎ ትዀኑ። ንዓይ ግና እዚ ሓሳብ እዚ ሓድሽን መሳጥን እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ፡ ሓደ ሕያዋይ ኣምላኽ ንዓለም ከም ዚገዝኣ እየ ዝሰምዕ ነይረ። እዚ ግና ምስቲ ኣብ ህይወተይ ዝርእዮ ዝነበርኩ ዚቃዶ ኣይነበረን። ገና ወዲ 26 ዓመት እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብዙሕ ሽግር እየ ርእየ ነይረ።

ኣቦይ ኣብራሪ ሓይሊ ኣየር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኑክልየሳዊ ውግእ ኪካየድ ተኽእሎ ኸም ዘሎ እፈልጥ ነይረ እየ፣ እቶም ሰራዊት ነዚ ቕሩባት እዮም ነይሮም። ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዚርከብ ኮለጅ ኣብ ዝኣቶኹሉ ዓመታት ከኣ፡ ውግእ ቭየትናም ተባሪዑ ነበረ። ሽዑ፡ ምስቶም ተምሃሮ ሓቢረ ኣብቲ ተቓውሞ ተሳተፍኩ። በትሪ ዝሓዙ ፖሊስ ድማ ጐየዩና። ንሕና ድማ በቲ ዜንብዕ ጋዝ ተዓፊንና ጠምበርበር እናበልና ሃደምና። እቲ እዋን እቲ፡ እዋን ናዕብን ዕልወትን እዩ ነይሩ። ፖለቲካዊ ቕትለታት፡ ናዕብታት፡ ተቓውሞታት ይካየድ ነይሩ እዩ። ሓሳባትን ኣረኣእያታትን ከምዚ ህቦብላ ንፋስ ዚወስዶ ኣቝጽልቲ ግምጥልጥል እዩ ዚብል ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ድማ እትጭብጦ ይሕርብተካ ነይሩ።

ካብ ለንደን ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ

ብ1970፡ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ኣላስካ ኽሰርሕ ጀመርኩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብዙሕ ገንዘብ ረኸብኩ። ድሕሪኡ፡ ናብ ለንደን ከይደ ሞተር ብሽክለታ ዓደግኩ፣ መዓርፎይ ከይወሰንኩ እውን ናብ ደቡብ ገጸይ ክጐዓዝ ጀመርኩ። ንኣዋርሕ ምስ ተጓዓዝኩ፡ ናብ ኣፍሪቃ በጻሕኩ። ኣብ መገዲ ኸኣ ካብቲ ዅሉ ጸገማቶም ኬምልጡ ምስ ዚደልዩ ሰባት ተራኸብኩ።

ስለዚ፡ ብምኽንያት እቲ ዝረኣኽዎን ዝሰማዕክዎን፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር ንዓለም ይቈጻጸራ ኸም ዘሎ ዚሕብር ትምህርቲ ቐልጢፉ እዩ ተረዲኡኒ። እንተዀነ ግና፡ ‘ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚገብር ዘሎ፧’ ዚብል ሕቶ ተላዕለኒ። መልሲ እዚ ሕቶ ድማ ክፈልጥ ደለኹ።

ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ መልሲ ረኸብኩ። ድሕርዚ ድማ፡ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ክፋለጥን ክፋቐርን ከኣልኩ።

ሰሜናዊ ኣይርላንድ—“ዓዲ ቦምብን ጥይትን”

ናብ ለንደን ምስ ተመለስኩ፡ ምስ ኣደ ዓርከይ ተራኸብኩ፣ ንሳ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበትኒ። ድሕርዚ፡ ናብታ ኣብ ነዘርላንድስ እትርከብ ኣምስተርዳም ምስ ከድኩ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ጐደና መብራህቲ ዀይነ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ረኣየኒ፣ ንሱ ድማ ብዝያዳ ኽፈልጥ ሓገዘኒ። ድሕርዚ፡ ናብታ ኣብ ኣይርላንድ እትርከብ ከተማ ዳብሊን ከድኩ። ኣብኣ ድማ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብኩ። ናብቲ ጨንፈር ከይደ ማዕጾ ምስ ኳሕኳሕኩ፡ ምስ ኣርተር ማቲውስ ተራኸብኩ። ኣርተር ለባምን ምኩርን ሓው እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ሓተትክዎ፣ ንሱ ድማ ምሳይ መጽናዕቲ ኺገብር ፍቓደኛ ዀነ።

ድሕርዚ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓተምዎ መጻሕፍትን መጽሔታትን ብውዕዉዕ መንፈስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣንበብክዎ። ብሓቂ ዜሕጕስ ግዜ እዩ ነይሩ! ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ቈልዑ እኳ ኸይተረፉ ነቲ ንምሁራት ሰባት ንዘመናት ዘጸገሞም፡ ከም እኒ፡ ‘እከይ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ መን እዩ፧ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧’ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኪምልስዎ ረኣኹ። ካብኡ ንደሓር፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እየ ተዓራሪኸ። ኣብታ ዓዲ ዝፈልጦ ሰብ ስለ ዘይነበረኒ እውን፡ እዚ ንዓይ ቀሊል እዩ ነይሩ። ንሳቶም ድማ ንየሆዋ ኸፍቅሮን ፍቓዱ ንምግባር ድሌት ኪሓድረንን ሓገዙኒ።

ናይጀልን ደኒስን ኣነን

ብ1972 ተጠመቕኩ። ንዓመታኡ ድማ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ምስታ ኣብ ኒውሪ፡ ሰሜናዊ ኣይርላንድ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ እውን ተጸምበርኩ። ሓንቲ ኣብ ጎቦ ብእምኒ እተሰርሐት ገዛ ኸኣ ተኻረኩ። ኣብ ጥቓ እታ ገዛ ኣብ ዚርከብ ሜዳ ድማ ኣሓ ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ዝዛረቦ ነገር ኣብ ቅድሚአን ተለማመድክዎ። ንሳተን ከኣ ነቲ ዝመለሳኦ መጕስዕ እናሓየኻ ብኣቓልቦ ዝሰምዓኒ ይመስላ ነበራ። ምኽሪ ኺህባኒ እኳ እንተ ዘይከኣላ፡ ንሰማዕተይ ብኸመይ ክጥምቶም ከም ዘሎኒ ግና ሓጊዘናኒ እየን። ብ1974 ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ተሸምኩ። ናይጀል ፒት ዚብሃል ሓው ድማ መገላግልቲ ዀነኒ። ምስኡ ምሉእ ዕድሜና ዝቐጸለ ዕርክነት ኢና መስሪትና።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣይርላንድ ብዙሕ ዕግርግር እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም ንሰሜናዊ ኣይርላንድ፡ “ዓዲ ቦምብን ጥይትን” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዋ ነይሮም። ኣብ ጐደናታት ዚግበር ባእስን ተዅስን ኣብ ማኪና ዚጻወድ ቦምብን ልሙድ እዩ ነይሩ። ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጕዳያት ተሓላሊኹ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፖለቲካ ወገን ከም ዘይሕዙ፡ ፕሮተስታንት ኰኑ ካቶሊክ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ከይሰጋእና ብናጻ ኽንሰብኽ ንኽእል ኔርና ኢና። ሰብ ቤት ኣበይን መዓስን ሽግር ኪፍጠር ከም ዚኽእል መብዛሕትኡ ግዜ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ከምኡ እዋናት ካብቲ ቦታ ኽንርሕቕ የጠንቅቑና ነይሮም እዮም።

ይኹን እምበር፡ ሓደገኛ ዅነታት እውን የጋጥመና ነይሩ እዩ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣነን ደኒስ ካሪጋን ዚብሃል ፈላምን ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ዘይብላ፡ ቅድሚኡ እውን ሓንሳእ ጥራይ ናብ ዝኸድናያ ኣብ ጥቓና እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ኼድና ኽንሰብኽ ጀመርና። ኣብኡ ድማ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ‘ሰለይቲ ወተሃደራት ብሪጣንያ እዮም’ ኢላ ኸሰሰትና። ምናልባት፡ ላህጃ ኣይርላንድ ስለ ዘይነበረና እያ ኸምኡ ኢላ ኸሲሳትና። በቲ ኽሲ እቲ ድማ ፈራህና። ምኽንያቱ፡ ምስ ወተሃደራት እንተ ተቐራሪብካ ጥራይ እኳ ኪቐትሉኻ ወይ ብጥይት ብርክኻ ኺሕምሽሽዎ ይኽእሉ እዮም። በይንና ኣብቲ ቝሪ እቲ ኣብ ግዳም ኣውቶቡስ እናተጸበና ኸለና፡ ሓንቲ ማኪና ናብታ እታ ዝኸሰሰትና ሰበይቲ ዝነበረታ ካፈ መጺኣ ደው በለት። እታ ሰበይቲ ድማ ካብቲ ካፈ ወጺኣ ነቶም ኣብታ ማኪና ዝነበሩ ኽልተ ሰብኡት ናባና እናኣመልከተት ተዛረበቶም። ድሕሪኡ፡ እቶም ሰብኡት ናባና ቐስ ኢሎም መጺኦም ብዛዕባ እቲ ኣውቶቡስ እትመጸሉ ሰዓት ሓተቱና። እታ ኣውቶቡስ ምስ መጸት ከኣ ምስ ዘዋሪ እታ ኣውቶቡስ ተዛራረቡ። እንታይ ይብሉ ኸም ዝነበሩ ኽንሰምዖም ኣይከኣልናን። ኣብታ ኣውቶቡስ ካልኦት ተጓዓዝቲ ስለ ዘይነበሩ፡ ካብታ ኸተማ ኣውጺኦም ገለ ኺገብሩና እዮም ኢልና ኣመንና። ከምኡ ግና ኣይኰነን። ካብታ ኣውቶቡስ ክወርድ ከለኹ፡ ነቲ ዘዋሪ፡ “እቶም ሰብኡት ብዛዕባና ድዮም ዚሓትቱኻ ነይሮም፧” ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ፡ “መን ምዃንኩም እፈልጥ እየ፣ ስለዚ፡ ነጊረዮም እየ። ኣይትጨነቑ። ዋላ ሓንቲ ኣይትዀኑን ኢኹም” በለኒ።

ኣብ መጋቢት 1977፡ ኣብ መዓልቲ መርዓና

ብ1976 ኣብ ደብሊን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ a ፖሊን ሎማክስ ምስ እትብሃል ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጸት ፍልይቲ ፈላሚት ተራኸብኩ። ፖሊን መንፈሳዊትን ትሕትትን ፈቃርን ሓብቲ እያ ነይራ። ንሳን ረይ ዚብሃል ሓዋን ምሉእ ህይወቶም እዮም ሓቂ ዚፈልጡ ነይሮም። ድሕሪ ዓመት ኣነን ፖሊንን ተመራዓውና፣ ኣብ ባሊሚና፡ ሰሜናዊ ኣይርላንድ ከኣ ፍሉይ ፈላምነት ቀጸልና።

ኣብ ቤልፋስትን ኣብ ለንደንድሪን ኣብ ካልእ ሓደገኛታት ቦታታትን፡ ኣብ ዕዮ ወረዳ ንኣሕዋት ኣገልጊልና ኢና። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ ኣጸቢቑ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ሃይማኖታዊ እምነታትን ኣቐዲምካ ፍርድን ጽልእን ሓዲጎም ንየሆዋ ኼገልግሉ ብምኽኣሎም፡ በቲ እምነቶም ልብና እዩ ተተንክዩ። የሆዋ እውን ብዙሕ ባሪኽዎምን ኣዕቊብዎምን እዩ!

በዚ ኸምዚ ኣብ ኣይርላንድ ዓሰርተ ዓመት ጸናሕኩ። ድሕሪኡ ብ1981፡ ናብ መበል 72 ክፍሊ ጊልዓድ ተዓደምና። ምስ ተመረቕና፡ ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሰራ ልዮን ተመደብና።

ሰራ ልዮን—ድኽነት እናሃለወ ኽነሱ እምነት

ኣብታ ዓዲ ኣብ ዚርከብ ቤት ሚስዮናውያን ምስ 11 ጥዑማት ሰባት ክንነብር ጀመርና። ኵላትና ብሓባር እንጥቀመሉ ሓደ ኽሽነ፡ ሰለስተ ሽቓቕ፡ ክልተ መሕጸቢ ሰብነት፡ ሓንቲ ተሌፎን፡ ሓንቲ መሕጸቢት ማሽን፡ ሓንቲ መንቀጺት ማሽን ነበረና። ኤለክትሪክ ብተደጋጋምን ብሃንደበትን እዩ ዚቋረጽ ነይሩ። ኣብ ናሕስና መዓት ኣናጹ ነበራ፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ቤት ዘሎ ኽፍሊ ድማ መንደላይ ተመን ሰሊኾም ይኣትዉ ነበሩ።

ናብቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ዝዀነት ጊኒ ዚግበር ዓብዪ ኣኼባ ንምኻድ፡ ፈለግ እናሰገርኩ

እቲ ዅነታት መነባብሮ ብሉጽ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣገልግሎት ግና ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ኣብታ ዓዲ ዚነብሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ስለ ዘለዎም፡ ጽን ኢሎም እዮም ዚሰምዑና ነይሮም። ስለዚ ድማ፡ ብዙሓት መጽናዕቲ ገበሩ፡ ሓቂ እውን ተቐበሉ። ደቂ እታ ዓዲ ንዓይ “ሚስተር ሮበርት” ኢሎም እዮም ዚጽውዑኒ ነይሮም። ንፖሊን ከኣ “ሚስስ ሮበርት” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዋ ነይሮም። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ግና፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝዓይዮ ስራሕ ስለ ዝበዝሓኒ፡ ናብ ኣገልግሎት ዝኸደሉ ግዜ ነከየ። ስለዚ፡ ደቂ እቲ ዓዲ ንፖሊን፡ “ሚስስ ፖሊን” ኢሎም ኪጽውዕዋ ጀመሩ። ንዓይ ድማ፡ “ሚስተር ፖሊን” በሉኒ። ፖሊን ነዚ ትፈትዎ ነይራ እያ!

ኣብ ሰራ ልዮን ናብ እንሰብከሉ ቦታ እናተጓዓዝና

መብዛሕትኦም እቶም ኣሕዋት ድኻታት እዮም ነይሮም፣ የሆዋ ግና ወትሩ ዜድልዮም የማልኣሎም ነይሩ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብዜደንቕ መገዲ እዩ ዜማልኣሎም ነይሩ። (ማቴ. 6:33) ትዝ ይብለኒ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ሓብቲ ንዓኣን ንደቃን ምግቢ ንምዕዳግ ዚኣክል ገንዘብ ጥራይ እዩ ነይርዋ። ኵሉ እቲ ዝነበራ ግና ንሓደ ዓሶ ዝሓመመ ሓው፡ መድሃኒት ኪዕድገሉ ሃበቶ። ድሕሪኡ ግና ሓንቲ ሰበይቲ ብሃንደበት ጸጕራ ኽትቍነን ናብታ ሓብቲ መጸት እሞ፡ ገንዘብ ከፈለታ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ኵነታት የጋጥም ነይሩ እዩ።

ናይጀርያ—ሓድሽ ባህሊ ተማሂርና

ኣብ ሰራ ልዮን ትሽዓተ ዓመት ኢና ተቐሚጥና። ድሕሪኡ ናብቲ ኣብ ናይጀርያ ዚርከብ ቤት-ኤል ገዓዝና። ኣብ ናይጀርያ ዚርከብ ቤት-ኤል፡ ዓብዪ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዩ። ኣብኡ ኸኣ ኣነ ኸምቲ ኣብ ሰራ ልዮን ዝዓይዮ ዝነበርኩ ናይ ቤት ጽሕፈት ዕዮ እየ ዝዓዪ ነይረ። ፖሊን ግና ዓብዪ ለውጢ እዩ ኣጓኒፍዋ፣ እዚ እውን ኣጸጊምዋ ነይሩ። ቅድሚኡ ኣብ ኣገልግሎት፡ ወርሒ ወርሒ 130 ሰዓት እያ እተሕልፍ ነይራ። ብዙሓት ዕቤት ዚገብራ መጽናዕትታት እውን ነይረናኣ። ኣብ ናይጀርያ ግና ኣብ እንዳ ስፌት ክዳውንቲ ስለ እተመደበት፡ ምሉእ መዓልቲ እተቐድደ ኽዳን ክትልግብ እያ እትውዕል ነይራ። ነዚ ለውጢ ንምልማድ ግዜ ወሲዱላ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ካልኦት ንዕዮኣ ኣጸቢቖም ከም ዜማስዉሉ ፈለጠት። ብእትረኽቦ ዘበለ ኣጋጣሚታት ንኻልኦት ቤት-ኤላውያን ኣብ ምትብባዕ እውን ኣተኰረት።

ባህሊ ናይጀርያ ሓድሽ እዩ ዀይኑና ነይሩ፣ ብዙሕ ክንምሃር ነይሩና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ሓው፡ ንሓንቲ ናብ ቤት-ኤል ክትኣቱ እተጸውዐት ሓብቲ ኼፋልጠኒ ኢሉ ናብ ቤት ጽሕፈተይ ሒዝዋ መጸ። ሰላም ክብላ ኢለ ኢደይ ምስ ዘርጋሕኩላ፡ ኣብ እግረይ ፍግም በለት። ሽዑ፡ ዝገብሮ ጠፊኡኒ ተዓነድኩ። ክልተ ጥቕስታት እየን ናብ ኣእምሮይ መጺአናኒ፦ ግብሪ ሃዋርያት 10:25, 26ን ራእይ 19:10ን። ‘ከምኡ ኣይትግበሪዶ ኽብላ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። እንተዀነ ግና፡ ናብ ቤት-ኤል ክትኣቱ እተጸውዐት ምዃና እፈልጥ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ትፈልጥ እያ።

ዝገብሮ ጠፊኡኒ ወልደፍደፍ እናበልኩ ተላለኽዋ። ድሕሪኡ ግና፡ ምርምር ገበርኩ። እታ ሓብቲ ነቲ ኣብ ገሊኡ ኽፋል እታ ሃገር ልሙድ ዝነበረ ባህሊ እያ እትስዕብ ነይራ። ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት፡ ሰባት ፍግም ኢሎም ይሰግዱ እዮም። እዚ ግና ኣኽብሮት ንምርኣይ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣምልኾ ኣይኰነን። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ከምኡ ዝገበሩ ነይሮም እዮም። (1 ሳሙ. 24:8) ሰኣን ፍልጠት ንሓብተይ ዜሕፍራ ነገር ብዘይ ምዝራበይ ብዙሕ እየ ተሓጒሰ።

ብዘይካዚ፡ ንሓያሎ ዓመታት ዜደንቕ ተኣማንነት ምስ ዘርኣዩ ብዙሓት ናይጀርያውያን ተራኺብና ኢና። ንኣብነት፡ ኣይዛየ ኣዳግቦነ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። b ንሱ መንእሰይ ከሎ ሓቂ ፈለጠ፣ ደሓር ግና ሕማም ደዌ ኸም ዘለዎ ተፈልጠ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ድዉያት ናብ ዚነብሩሉ ሰፈር ተላእከ። ኣብኡ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ዚብሃል ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ተቓውሞ እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ንልዕሊ 30 ድዉያት ሓቂ ኪቕበሉ ሓገዞም፣ ኣብቲ ሰፈር እቲ ድማ ጉባኤ ኣቘመ።

ኬንያ—ኣሕዋት ተዓጊሶምኒ

ኣብ ኬንያ ምስ ሓደ ዝዘኽተመ ሓርሽ እተሰኣልክዎ

ብ1996 ኣብ ጨንፈር ኬንያ ኸነገልግል ተመደብና። ካብቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ናብታ ሃገር ክበጽሕ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ንፈለማ ግዜ እየ ተመሊሰ ኸይደ። ኣብኡ እውን ኣብ ቤት-ኤል ንነብር ነበርና። ኣብቲ ኸባቢ ድማ ብዙሓት ወዓግ ነበራ። ኣሓት ፍረታት ሒዘን ኪኸዳ ኸለዋ፡ ካባታተን “ይሰርቃ” ነበራ። ሓንቲ መዓልቲ ሓንቲ ኣብ ቤት-ኤል እትነብር ሓብቲ፡ መስኰታ ኽፉት ሓዲጋቶ ወጸት። ናብ ክፍላ ምስ ተመልሰት፡ ብዙሓት ወዓግ ነቲ ኣብኡ ዝረኸባኦ ምግቢ ኺበልዓ ጸንሓኣ። ሽዑ እናወጨጨት ካብቲ ኽፍላ ሃዲማ ኸደት። እተን ወዓግ እውን እናወጨጫ በቲ መስኰት ዘሊለን ወጻ።

ኣነን ፖሊንን ናብ ጉባኤ ስዋሂሊ ኽንከይድ ጀመርና። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ (ሕጂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ዚብሃል) ክመርሕ ተመደብኩ። ብዛዕባ እቲ ቛንቋ ዝነበረኒ ፍልጠት ግና ገና ኣብ ናይ ሕጻን ደረጃ እዩ ነይሩ። ነቲ ትምህርቲ ኣቐዲመ እዳለወሉ ብምንባረይ፡ ሕቶታት ከንብብ እኽእል ነይረ እየ። እቶም ተኣከብቲ ዚህብዎ ሓሳብ ካብቲ ትምህርቲ ቝሩብ እንተ ተፈልዩ ግና፡ ኣይርድኦምን እየ ነይረ። ሽዑ፡ ከም ገለ እዩ ዚስምዓካ! ኣሕዋትን ኣሓትን የደንግጹኒ ነይሮም። ነቲ መሰናድዎ እቲ ብትዕግስትን ብትሕትናን ምቕባሎም ብሓቂ ኣደኒቑኒ እዩ።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ—ብልጽግና እናሃለወ ኽነሱ እምነት

ኣብ ኬንያ ትሕቲ ሓደ ዓመት ኢና ጸኒሕና። ድሕሪኡ፡ ብ1997 ናብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት-ኤል ተጸዋዕና። ስለዚ፡ ናብታ ስጋዊ ብልጽግና ዘለዋ ሃገር ከድና። ስጋዊ ብልጽግና ድማ ናቱ ጸገማት ሒዙ እዩ ዚመጽእ። (ምሳ. 30:8, 9) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሃብታማት ሃገራት እውን እንተ ዀነ፡ መንፈሳዊ ብልጽግና ኣሎ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንግዜኦምን ንጥሪቶምን ገዛእ ርእሶም ንምህብታም ዘይኰነስ፡ ነቲ ውድብ የሆዋ እትገብሮ ጽቡቕ ዕዮ ንምድጋፍ እዮም ዚጥቀሙሉ።

ስለዚ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ዘሕለፍናዮ ዓመታት፡ ክርስትያናት ብጾትና ኣብ በበይኑ ዅነታት እምነት ከም ዘለዎም ርኢና ኢና። ኣብ ኣይርላንድ፡ ህውከት እናሃለወ ኽነሱ፡ እምነት ርኢና ኢና። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ድኽነትን ግለላን እናሃለወ ኽነሱ፡ እምነት ርኢና ኢና። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸኣ፡ ብልጽግና እናሃለወ ኽነሱ፡ እምነት ርኢና ኢና። የሆዋ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዓይነት ኵነታት ዜፍቅርዎ ሰባት ኪርእዮም ከሎ፡ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ኣየጠራጥርን እዩ!

ምስ ፖሊን ኣብቲ ኣብ ዎርዊክ ዚርከብ ቤት-ኤል

ዓመታትና “ኻብ መደርብዮ ኣላማይ ብዝያዳ ቐልጢፈን” እየን ሓሊፈን። (እዮ. 7:6) ሕጂ ኣብቲ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ንዓዪ ኣሎና። ንሓድሕዶም ምስ ዚፋቐሩ ሰባት እንዓዪ ብምዃንና እውን ሕጉሳት ኢና። ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ማእለያ ንዘይብሎም እሙናት ዓስቦም ዚህቦም ንጉስና ክርስቶስ የሱስ እንድግፍ ምዃንና ሓጐስን ዕግበትን እዩ ዚስምዓና።—ማቴ. 25:34

a ኣኼባታት ዞባ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣኼባታት ኣውራጃ ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ።

b ታሪኽ ህይወት ኣይዛየ ኣዳግቦነ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1998 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 22-27 ወጺኡ ኣሎ። እዚ ሓው እዚ ብ2010 ሞይቱ እዩ።