2 ሳሙኤል 7:1-29

  • ዳዊት ቤተ መቕደስ ከም ዘይሃንጽ ተነግሮ (1-7)

  • ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን መንግስቲ (8-17)

  • ዳዊት ዘቕረቦ ጸሎት ምስጋና (18-29)

7  ንጉስ ኣብ ቤቱ* ምስ ተቐመጠ፡+ የሆዋ ኸኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡ 2  ንጉስ ንነብዪ ናታን፡+ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ቄድሮስ እነብር ኣለኹ፡+ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና ኣብ ማእከል ዓለባታት ድንኳን ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።+ 3  ናታን ድማ ንንጉስ፡ “የሆዋ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ እውን ግበር” በሎ።+ 4  በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ናታን መጸ፦ 5  “ኪድ እሞ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሃንጸለይ ኢኻ፧+ 6  ካብታ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘደየብኩላ መዓልቲ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ+ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እመላለስ ነበርኩ እምበር፡+ ኣብ ቤትሲ እነብር ኣይነበርኩን። 7  ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ኵሎም እስራኤላውያን* እተመላለስኩሉ እዋን፡ ንህዝበይ እስራኤል ኪጓሲ ንዝሸምክዎ ዝዀነ ኻብ መራሕቲ ነገዳት እስራኤል፡ ‘ስለምንታይ ቤት ቄድሮስ ዘይሃነጽኩምለይ፧’ ኢለዶ ሓንቲ ቓል ተዛሪበ እየ፧”’ 8  ሕጂ ድማ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፡+ ካብ መጓሰዪታት፡ ንመጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲደካ እየ።+ 9  ኣብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ንዅሎም ጸላእትኻ እውን ካብ ቅድሜኻ ኸጥፍኦም እየ።+ ንዓኻ ድማ ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት፡ ዓብዪ ስም ክገብረልካ እየ።+ 10  ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኽምድበሉን ከስፍሮን እየ፣ ኣብኣ ኸኣ ኪነብሩ፡ ደጊም እውን ኣይኪርበሹን እዮም። እኩያት ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ገይሮም መሊሶም ኣይኪጭቍንዎምን እዮም፣+ 11  እወ፡ ደጊም ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈራዶ ዝሸምኩላ መዓልቲ+ ኣትሒዞም ዝገበርዎም ኣይኪገብርዎምን እዮም። ካብ ኵሎም ጸላእትኻ ኸኣ ዕረፍቲ ኽህበካ እየ።+ “‘“የሆዋ ንዓኻ ቤት* ከም ዚሰርሓልካ እውን፡ የሆዋ ይነግረካ ኣሎ።+ 12  መዓልትታትካ ምስ ተወድኣን+ ምስ ኣቦታትካ ምስ ደቀስካን፡ ብድሕሬኻ ኻብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ኸተንስእ እየ፣ ነታ መንግስቱ እውን ከጽንዓ እየ።+ 13  ንሱ ንስመይ ቤት ኪሃንጽ እዩ፣+ ኣነ ድማ ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።+ 14  ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፣ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ።+ እንተ በዲሉ፡ ብበትሪ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን* ገይረ ኽገንሖ እየ።+ 15  ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይ፡ ከምቲ ኻብቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘርሓቕክዎ ሳኦል ዘልገስክዎ ገይረ፡+ ካብኡ ኣይከልግስን እየ። 16  ቤትካን መንግስትኻን ድማ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዓ እየን፣ ዝፋንካ እውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።”’”+ 17  ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዝን ብምሉኡ እዚ ራእይ እዝን ነገሮ።+ 18  ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ የሆዋ ኣትዩ ተቐመጠ እሞ፡ ከምዚ በለ፦ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ መን እየ፧ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ቤተይ እንታይ እያ፧+ 19  ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዚ ኸይኣክልሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርሑቕ ግዜ ኣብ ቤት ጊልያኻ ዚኸውን እውን ተዛሪብካ ኢኻ፣ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዚ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ትእዛዝ* እዩ። 20  ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጠኒ ኻብ ኰንካስ፡+ ጊልያኻ ዳዊት እሞ እንታይ ተወሳኺ ነገር ኪብል ይኽእል፧ 21  ምእንቲ ቓልካ ኢልካን ምስ ልብኻ* ብምስምማዕን፡ ኵሉ እዚ ዓብዪ ነገራት እዚ ጌርካን ንጊልያኻ ገሊጽካሉን ኢኻ።+ 22  ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ስለዚ ብሓቂ ዓብዪ ኢኻ።+ ከማኻ ዝበለ የልቦን፣+ ብዘይካኻ እውን ኣምላኽ የልቦን።+ ኵሉ እቲ ብኣእዛንና ዝሰማዕናዮ፡ ነዚ እዩ ዜረጋግጽ። 23  ኣምላኽ ከይዱ ህዝቡ ኪኸውን እተበጀዎ፡+ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ብምግባር ከኣ+ ንርእሱ ስም ዝገበረሉ፡+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ኣብ ምድሪ ኣየናይ ህዝቢ እዩ፧+ ምእንቲ እቲ ንዓኻ ኪኸውን ካብ ግብጺ እተበጆኻዮ ህዝብኻ ኢልካ፡ ንኣህዛብን ንኣማልኽቶምን ሰጐጕካዮም። 24  ንህዝብኻ እስራኤል ድማ ንሓዋሩ ህዝብኻ ኪኸውን ኣቘምካዮ፣+ ንስኻ እውን ኦ የሆዋ፡ ኣምላኾም ኰንካ።+ 25  “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ እቲ ብዛዕባ ጊልያኻን ብዛዕባ ቤቱን ዘተስፎኻዮ ነገር ንሓዋሩ ይፈጸም፣ ንስኻ እውን ከምቲ ዘተስፎኻዮ ግበር።+ 26  ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣምላኽ እዩ’ ምእንቲ ኺብሉ፡ ስምካ ንዘለኣለም ልዕል ይበል፣+ ቤት ጊልያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ትጽናዕ።+ 27  ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻስ ንጊልያኻ፡ ‘ቤት* ክሃንጸልካ እየ’ ኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻ።+ ስለዚ እዩ ጊልያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባኻ ኺጽሊ ዝተብዐ።* 28  ሕጂ ድማ፡ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻ ኸኣ ሓቂ እዩ፡+ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ እውን ንጊልያኻ ኣተስፊኻዮ ኢኻ። 29  እምበኣር፡ ንስኻ ንቤት ጊልያኻ ንምብራኽ ፍታውካ ይኹን፡ ንሳ እውን ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ትኹን፣+ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ኣተስፊኻ ኢኻ እሞ፡ ቤት ጊልያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ትባረኽ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መንግስቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”
ወይ፡ “ስርወ ንግስነት።”
ወይ፡ “ደቂ ኣዳምን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሕጊ።”
ወይ፡ “ፍቓድካ።”
ወይ፡ “ስርወ ንግስነት።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቢ ዝረኸበ።”