1 ተሰሎንቄ 3:1-13
3 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩና እዩ፣+
2 ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኼጽንዓኩምን* ኬጸናንዓኩምን ከኣ፡ ነቲ ሓውናን በቲ ብስራት ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣምላኽን* ዝዀነ ጢሞቴዎስ+ ልኢኽናዮ ኢና፣
3 ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይናወጽ* ኢልና ኢና። ካብ ከምዚ ዝበለ ጸበባ ኸነምልጥ ከም ዘይንኽእል፡* ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።+
4 ምሳኻትኩም ከለና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸና ኣቐዲምና ንነግረኩም ኔርና፣ ከምቲ እትፈልጥዎ ኸኣ፡ ከምኡ ዀይኑ።+
5 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባት እቲ ፈታኒ+ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ፡ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ ተኣማንነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ልኢኸ እየ።+
6 ጢሞቴዎስ ግና ካባኻትኩም ሕጂ ናባና መጺኡ ኣሎ፣+ ብዛዕባ ተኣማንነትኩምን ፍቕርኹምን፡ ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከኣ ክትርእዩና ትናፍቑ ኸም ዘለኹም ኣበሲሩና እዩ።
7 ስለዚ ኸኣ ኢና፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላኹምን ሳላ ተኣማንነትኩምን ኣብ ኵሉ ጭንቅናን* ጸበባናን እተጸናናዕና።+
8 ብጐይታ ስለ ዝጸናዕኩም፡ ህይወትና ተሓዲሳ ኣላ።*
9 ስለቲ ብሳላኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝረኸብናዮ ሓጐስ፡ ብዛዕባኹም ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ኸነመስግኖ፧
10 ገጽኩም ክንርእን ኣብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን ብእተኻእለና መጠን ብጽኑዕ ንምህለል ኣለና።+
11 ኣቦና ኣምላኽ ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዑ።
12 ጐይታ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕሪ፡ ነታ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ዘላትኩም ፍቕሪ ይወስኸልኩምን የብዝሓያን፣+
13 እዚ ድማ ጐይታና የሱስ+ ምስ ኵሎም ቅዱሳቱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብቕድስና መንቅብ ዘይብልኩም ኴንኩም ክትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኼበርትዓኩምን።”
^ ወይ፡ “መዓይይቲ ኣምላኽን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ሰንክልከል ከይብል።”
^ ወይ፡ “ነዚ ኸም እተመደብና።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ስእነትናን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብህይወት ንነብር ኣለና።”