ዘካርያስ 11:1-17

  • ንናይ ሓቂ ጓሳ ኣምላኽ ዘይምቕባል ዜስዕቦ ሳዕቤናት (1-17)

    • “ነተን መጓሰ ማሕረዲ ጓስየን” (4)

    • ክልተ በትሪ፦ ደስታን ሕብረትን (7)

    • ዓስቢ ጓሳ፦ 30 ብሩር (12)

    • እቲ ገንዘብ ናብ ቤት መዝገብ ተደርበየ (13)

11  “ሓዊ ንቔድሮሳትካ ምእንቲ ኺበልዖሲ፡ኣታ ሊባኖስ፡ ኣፍ ደገታትካ ኽፈት።  2  ኣታ ጽሕዲ፡* ቄድሮስ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በል፣ግሩም ኣእዋምሲ ጠፊኡ እዩ! ኣቱም ገዘፍቲ ኣእዋም ባሳን፡እቲ ጽዑቕ ዱር ወሪዱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ!  3  ግርማኦም በሪሱ እዩ እሞ፡ዋይዋይታ ጓሶት ስምዑ! ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ምጕዛም ሽደናት ኣናብስ ስምዑ! 4  “የሆዋ ኣምላኸይ ከምዚ ይብል፦ ‘ነተን መጓሰ ማሕረዲ ጓስየን፣+ 5  ንዓታተን ዓደግተን ሓሪዶምወንሲ+ በደልቲ ኣይኰኑን። እቶም ዚሸጥወን ከኣ፡+ “ኣነ ኽህብትም እየ እሞ፡ የሆዋ ይወደስ” ይብሉ። ጓሶተን ድማ ኣይርሕርሑለንን።’+ 6  “‘ኣነስ ንነበርቲ እታ ምድሪ ደጊም ኣይክርሕርሓሎምን እየ’ ይብል የሆዋ። ‘ስለዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኢድ ብጻዩን ንጉሱን ከውድቖ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነታ ምድሪ ኺሕምሽሽዋ እዮም፣ ኣነ እውን ካብ ኢዶም ኣይከናግፎምን እየ።’” 7  ኣነ ድማ ነተን መጓሰ ማሕረዲ፡ ነተን ውጹዓት እተን መጓሰ፡ ምእንታኻትክን ጓሰኽወን።+ ስለዚ፡ ክልተ በትሪ ወሰድኩ፣ ነታ ሓንቲ ደስታ፡ ነታ ሓንቲ ኸኣ ሕብረት በልክወን፣+ ነተን መጓሰ እውን ጓሰኽወን። 8  ኣብ ሓንቲ ወርሒ ድማ ሰለስተ ጓሶት ሰጐጕኩ፣ ከመይሲ፡ ኣነ ኽዕገሶም ኣይከኣልኩን፡* ንሳቶም እውን ንዓይ ፈንፈኑኒ።* 9  ኣነ ኸኣ፡ “ድሕርዚ፡ ኣይክጓስየኩምን እየ። እታ እትመውት ትሙት፡ እታ እትጠፍእ እውን ትጥፋእ። እተን ዝተረፋ ድማ፡ ስጋ ሓድሕደን ይብልዓ” በልኩ። 10  ስለዚ፡ ነታ በትሪ ደስታ ወሲደ+ ቘረጽክዋ፡ ምስ ኵሎም ህዝብታት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ድማ ኣፍረስክዎ። 11  በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ተሰብረት፣ እተን ዚጥምታኒ ዝነበራ ውጹዓት እተን መጓሰ ድማ ቃል የሆዋ ምዃኑ ፈለጣ። 12  ሽዑ፡ “ጽቡቕ መሲሉ እንተ ተራእዩኩም፡ ዓስበይ ሃቡኒ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ሕደግዎ” በልክዎም። ንሳቶም ከኣ ዓስበይ 30 ብሩር ከፈሉኒ።*+ 13  ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ነቲ ዋጋይ ገይሮም ዝገምገምዎ ኽቡር ዋጋ፡ ናብ ቤት መዝገብ ደርብዮ” በለኒ።+ ኣነ ድማ ነቲ 30 ብሩር ወሲደ ናብቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዘሎ ቤት መዝገብ ደርበኽዎ።+ 14  ሽዑ፡ ነታ ኻልአይቲ በትረይ፡ ነታ ሕብረት ቈረጽክዋ፡+ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዝነበረ ሕውነት ከኣ ኣፍረስክዎ።+ 15  የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ሕጂ፡ ናውቲ ዘይጠቅም ጓሳ ውሰድ።+ 16  ኣነስ ኣብታ ምድሪ፡ ጓሳ ኺትንስእ ክሓድግ እየ። ንሱ ነተን ዚጠፍኣ ዘለዋ ኣባጊዕ ኣይኪከናኸነንን እዩ፣+ ንዕያውቲ ኣይኪደልን፡ ንእተጐድኣ ኸኣ ኣይኪፍውስን፡+ ደው ኪብላ ንዚኽእላ ድማ ኣይኬብልዕን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ስጋ ስብሕቲ ኺበልዕ፡+ ሸዀናታት እተን ኣባጊዕ ከኣ ኪምንጭት እዩ።+ 17  እቲ መጓሰ ዚሓድግ+ ዘይጠቅም ጓሳ ወይለኡ!+ ሰይፊ ንቕልጽሙን ንየማነይቲ ዓይኑን ኪወቕዖ እዩ። ቅልጽሙ ጠሪሳ ኽትነቅጽ እያ፣የማነይቲ ዓይኑ ድማ ጠሪሳ ኽትዓውር* እያ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ተርሚን።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ክትዕገሶም ኣይከኣለትን።”
ወይ፡ “ነፍሶም እውን ንዓይ ፈንፈነትኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዘኑለይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኽትሓምቕ።”