እያሱ 6:1-27
6 ያሪኮ ድማ ብምኽንያት እስራኤላውያን ተዓጻጽያ ነበረት፣ ዚወጽእ ኰነ ዚኣቱ እውን ኣይነበረን።+
2 የሆዋ ኸኣ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ “ርአ፡ ያሪኮን ንጉሳን ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።+
3 ኵልኹም ተዋጋእቲ ሰባት ነታ ኸተማ ሓንሳእ ብምዅላል፡ ነታ ኸተማ ዙርዋ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ።
4 ሸውዓተ ኻህናት ድማ ቀቅድሚ ታቦት ኰይኖም ሸውዓተ መለኸት ድዑል ይሓዙ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሳዕ ዙርዋ፡ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ።+
5 እቲ መለኸት ድዑል ምስ ተነፍሐ፡ ደሃይ መለኸት ከኣ ምስ ሰማዕኩም፡* ኵሉ እቲ ህዝቢ ጭድርታ ውግእ ይጨድር። ሽዑ፡ መካበብያ እታ ኸተማ ናብ ታሕቲ ኺወድቕ እዩ፣+ እቲ ህዝቢ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ይደይብ።”
6 እያሱ ወዲ ነዌ ኸኣ ነቶም ካህናት ጸዊዑ፡ “ታቦት ኪዳን ጹሩ፡ ሸውዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት የሆዋ ዀይኖም ሸውዓተ መለኸት ድዑል ይሓዙ” በሎም።+
7 ነቶም ህዝቢ ድማ፡ “ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፡ እቲ ዕጡቕ ሰራዊት+ ከኣ ቀቅድሚ ታቦት የሆዋ ይሕለፍ” በሎም።
8 እያሱ ነቲ ህዝቢ ምስ ተዛረቦ፡ እቶም ሸውዓተ ኻህናት ሸውዓተ መለኸት ድዑል ሒዞም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓለፉ፡ መለኸት ድማ ነፍሑ፣ ታቦት ኪዳን የሆዋ ኸኣ ይስዕቦም ነበረ።
9 እቲ ዕጡቕ ሰራዊት ድማ ቀቅድሚ እቶም መለኸት ዚነፍሑ ዝነበሩ ኻህናት ይኸይድ ነበረ፣ እቲ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ ኸኣ፡ እቲ ደጀን ነቲ ታቦት ይስዕቦ ነበረ።
10 እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣይትጨድሩ፡ ድምጽኹም ከኣ ኣይተስምዑ። ክሳዕ እታ ኣነ፡ ‘ጨድሩ!’ ዝብለኩም መዓልቲ፡ ካብ ኣፍኩም ቃል እኳ ኣይትውጻእ። ሽዑ፡ ጨድሩ” ኢሉ ኣዘዞም።
11 ንታቦት የሆዋ ኸኣ ነታ ኸተማ ብምዅላል፡ ሓንሳእ ከም ዚዞራ ገበሮ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ሰፈር ተመሊሶም፡ ኣብኡ ሓደሩ።
12 ንጽብሒቱ፡ እያሱ ኣንጊሁ ተንስአ፣ እቶም ካህናት ከኣ ንታቦት የሆዋ ጾርዎ።+
13 ሸውዓተ መለኸት ድዑል ዝሓዙ ሸውዓተ ኻህናት ድማ ቀቅድሚ ታቦት የሆዋ እናኸዱ፡ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። እቲ ዕጡቕ ሰራዊት ከኣ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፣ እቲ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ ድማ፡ እቲ ደጀን ነቲ ታቦት የሆዋ ይስዕቦ ነበረ።
14 ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ሓንሳእ ዞይሮም፡ ናብ ሰፈር ተመልሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።+
15 ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ምስ ወግሐ፡ ኣንጊሆም ተንስኡ፣ ነታ ኸተማ ድማ ከምኡ ገይሮም ሸውዓተ ሳዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ እዮም ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሳዕ ዝዞርዋ።+
16 ኣብታ ሻውዐይቲ ሳዕ ከኣ፡ እቶም ካህናት መለኸት ምስ ነፍሑ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “የሆዋ ነዛ ኸተማ ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ጨድሩ!+
17 እዛ ኸተማን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንጥፍኣት ተመጥዩ እዩ፣+ ኵሉ ናይ የሆዋ እዩ። ረሃብ+ እታ ኣመንዝራ ጥራይ፡ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤታ ምስኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይትረፉ።+
18 ግናኸ፡ ንስኻትኩም ነቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ተመኒኹም፡ ካብኡ ገለ ኸይትወስዱ እሞ፡+ ኣብ ልዕሊ ሰፈር እስራኤል መዓት ብምምጻእ* ንጥፍኣት እተመጠወ ኸይትገብርዎስ፡+ ካብቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ተሓለዉ።+
19 ኵሉ ብሩርን ወርቅን ኣቕሑ ነሓስን ሓጺንን ግና ንየሆዋ እተቐደሰ ይኹን።+ ናብ መዝገብ የሆዋ ይእቶ።”+
20 ሽዑ፡ መለኸት ምስ ተነፍሐ፡ እቶም ህዝቢ ጨደሩ።+ እቶም ህዝቢ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዖም ዓብዪ ጭድርታ ውግእ ምስ ጨደሩ፡ እቲ መካበብያ ናብ ታሕቲ ወደቐ።+ ድሕሪኡ፡ እቲ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ፡ ናብታ ኸተማ ደየበ፣ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ።
21 ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸኣ፡ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ቈልዓን ኣረጊትን፡ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብሰይፊ ኣጥፍእዎም።+
22 እያሱ ድማ ነቶም ነታ ምድሪ ዝሰለዩ ኽልተ ሰብኡት፡ “ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ እተዉ እሞ፡ ከምቲ ዝመሓልኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ናታ ንዘበለ ዅሉን ኣውጽኡ” በሎም።+
23 እቶም ኣጕባዝ ሰለይቲ ድማ ኣትዮም ንረሃብን ንኣቦኣን ንኣዲኣን ንኣሕዋታን ናታ ንዘበለ ዅሉን ኣውጽኡ፣ እወ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ኣውጽኡ፣+ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል ናብ ዚርከብ ቦታ ኸኣ ብደሓን ኣውጽእዎም።
24 ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ድማ ብሓዊ ኣንደዱ። ብሩርን ወርቅን ኣቕሑ ነሓስን ሓጺንን ግና፡ ንመዝገብ ቤት የሆዋ ሃቡ።+
25 እያሱ ንረሃብ እታ ኣመንዝራን ንቤተ ሰብ ኣቦኣን ናታ ንዘበለ ዅሉን ጥራይ ነሓፈ፣+ ንሳ ነቶም ንያሪኮ ኺስልዩ እያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም፡+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ እስራኤል ትነብር ኣላ።+
26 በታ ግዜ እቲኣ፡ እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሓለ፦* “ነዛ ኸተማ ያሪኮ እዚኣ ዳግም ኪሰርሓ ኢሉ ዚልዓል፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርጉም ይኹን። መሰረታ ኼንብር ከሎ፡ በዅሪ ወዱ ይስኣን፣ መዓጹኣ ኬቕውም ከሎ ድማ፡ ሕሳስ ልደ ወዱ ይስኣን።”+
27 የሆዋ ኸኣ ምስ እያሱ ነበረ፡+ ዝናኡ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ተዘርግሐ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “መለኸት ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ።”
^ ወይ፡ “ንሰፈር እስራኤል ጭንቂ ብምምጻእ፣ ከም ዚግለል ብምግባር።”
^ ወይ፡ “ኣምሓሎም” ኪኸውን ይኽእል።