እያሱ 3:1-17

  • እስራኤል፡ ዮርዳኖስ ተሳገረ (1-17)

3  እያሱ ኸኣ ኣንጊሁ ተንስአ፣ ንሱን ኵሎም እስራኤላውያንን* ድማ ካብ ሺጢም+ ነቒሎም፡ ናብ ዮርዳኖስ መጹ። ቅድሚ ምስጋሮም ድማ ኣብኡ ሓደሩ። 2  ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ እቶም ኣሕሉቕ+ ብማእከል ሰፈር ሓለፉ፡ 3  ነቲ ህዝቢ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎ፦ “ታቦት ኪዳን የሆዋ ኣምላኽኩም ብሌዋውያን ካህናት ተጾይሩ ምስ ረኣኹም፡+ ካብ ቦታኹም ነቒልኩም ስዓብዎ። 4  ግናኸ፡ በታ መገዲ እቲኣ ኣቐዲምኩም ተጓዒዝኩም ስለ ዘይትፈልጡ፡ በየነይቲ መገዲ ኸም እትኸዱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ካብኡ 2,000 እመት* ዚኸውን ርሓቑ እምበር፡ ኣይትቕረብዎ።” 5  እያሱ ነቶም ህዝቢ፡ “ጽባሕ የሆዋ ኣብ መንጎኹም ዜደንቕ ነገራት ኪገብር እዩ እሞ፡+ ተቐደሱ”+ በሎም። 6  እያሱ ድማ ነቶም ካህናት፡ “ታቦት ኪዳን ጾይርኩም፡+ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ሕለፉ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ታቦት ኪዳን ጾይሮም ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸዱ። 7  የሆዋ ድማ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ፡+ ምሳኻ እውን ከም ዝኸውን ምእንቲ ኺፈልጡ፡+ በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል ልዕል ከብለካ እየ።+ 8  ነቶም ታቦት ኪዳን ዚጾሩ ኻህናት፡ ‘ናብ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ በጻሕኩም፡ ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ’ ኢልካ ኣዝዞም።”+ 9  እያሱ ኸኣ ንእስራኤላውያን፡ “ናብዚ ቕረቡ እሞ፡ ቃል የሆዋ ኣምላኽኩም ስምዑ” በሎም። 10  እያሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ህያው ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም ከም ዘሎ፡+ ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ንሒዋውያንን ንፈረዛውያንን ንጊርጋሳውያንን ንኣሞራውያንን ንይቡሳውያንን ድማ ካብ ቅድሜኹም ብርግጽ ከም ዚሰጕጎም በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም።+ 11  እንሆ፡ ናይቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ታቦት ኪዳን ቀቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ይሓልፍ ኣሎ። 12  ሕጂ ኸኣ ካብ ነገዳት እስራኤል 12 ሰብኡት ውሰዱ።+ 13  ከብዲ እግሪ እቶም ታቦት እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ዝዀነ የሆዋ ዚጾሩ ኻህናት ንማይ ዮርዳኖስ ትንክፍ ምስ ኣበሎ፡* እቲ ኻብ ላዕሊ ዚውሕዝ ማይ ዮርዳኖስ ኬቋርጽ፡ ከም ግድብ* ኰይኑ ድማ ደው ኪብል እዩ።”+ 14  እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ኪሳገሩ ኻብ ድንኳናቶም ምስ ነቐሉ፡ እቶም ካህናት ታቦት ኪዳን ጾይሮም ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸዱ።+ 15  እቶም ነቲ ታቦት ዝጾሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ኻህናት ድማ ኣእጋሮም ኣብ ገማግም እቲ ማይ ምስ ኣጥለቑ፡ (ሽዑ ብዅሉ መዓልትታት ዓጺድ፡ ገማግም ዮርዳኖስ መሊኡ ይውሕዝ ነበረ፡)+ 16  እቲ ኻብ ላዕሊ ዚውሕዝ ዝነበረ ማይ ደው በለ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻሬታን እትርከብ ኣዳም እትብሃል ከተማ ኸም ግድብ* ኰይኑ ቘመ፣ እቲ ናብ ባሕሪ ዓራባ፡ ናብ ባሕሪ ጨው፡* ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከኣ ተሓንኰዀ። እቲ ማይ ኣቋረጸ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ናብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ። 17  ኵሉ እስራኤል ብንቑጽ ምድሪ ኽሳዕ ዚሳገር፡+ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሳገር፡ እቶም ታቦት ኪዳን የሆዋ ዝጾሩ ኻህናት ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብ ንቑጽ ምድሪ ኸይተንቀሳቐሱ ቘይሞም ነበሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤልን።”
ኣስታት 890 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ምስ ዓረፋ።”
ወይ፡ “መንደቕ።”
ወይ፡ “መንደቕ።”
ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።