እያሱ 10:1-43

  • እስራኤል ንጊብዖን ተኸላኸለላ (1-7)

  • የሆዋ ንእስራኤል ተዋግኣሉ (8-15)

    • ኣእማን በረድ ኣብቶም ዚሃድሙ ጸላእቲ ዘነመ (11)

    • ጸሓይ ደው በለት (12-14)

  • እቶም መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ሓሙሽተ ነገስታት ተቐትሉ (16-28)

  • ኣብ ደቡብ ዚርከባ ኸተማታት ተታሕዛ (29-43)

10  ኣዶኒ-ጼዴቅ ንጉስ የሩሳሌም፡ እያሱ ንዓይ ከም ዝሓዛን ከም ዘጥፍኣን፡ ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበራ ድማ፡+ ንዓይን ንንጉሳን ከም ዝገበራ፡+ ነበርቲ ጊብዖን እውን ምስ እስራኤል ሰላም ከም ዝገበሩን+ ኣብ መንጎኦም ከም ዚነብሩን ምስ ሰምዐ፡ 2  ጊብዖን ከም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ኣዝዩ ፈርሀ።+ ንሳስ ካብ ዓይ+ እኳ ትዓቢ ነበረት፡ ኵሎም ሰባ እውን ጀጋኑ ነበሩ። 3  ስለዚ፡ ኣዶኒ-ጼዴቅ ንጉስ የሩሳሌም ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን+ ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሽን ናብ ደቢር ንጉስ ዔግሎንን+ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ 4  “ጊብዖን ምስ እያሱን ምስ እስራኤላውያንን ሰላም ስለ ዝገበረት፡ ንዑ ሓግዙኒ እሞ፡ ነጥቅዓያ።”+ 5  ሽዑ፡ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡+ ንጉስ የሩሳሌምን ንጉስ ኬብሮንን ንጉስ ያርሙትን ንጉስ ላኪሽን ንጉስ ዔግሎንን፡ ምስ ሰራዊቶም ተኣከቡ፣ ከይዶም ኪዋግእዋ ድማ፡ ኣብ መንጽር ጊብዖን ሰፈሩ። 6  ሽዑ፡ ሰብ ጊብዖን ናብ እያሱ ናብቲ ኣብ ጊልጋል ዝነበረ ሰፈር ልኢኾም፡+ “ንባሮትካ ኣይትሕደጎም።*+ ቀልጢፍካ ምጻእ እሞ፡ ኣናግፈናን ርድኣናን! ኵሎም እቶም ኣብ ኣኽራን ዚነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ናባና ተኣኪቦም ኣለዉ” በልዎ። 7  እያሱ ኸኣ ምስ ኵሎም ተዋጋእቲ ህዝብን ምስ ኵሎም ሓያላት ጀጋኑን ካብ ጊልጋል ደየበ።+ 8  የሆዋ ድማ ንእያሱ፡ “ንዓታቶም ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ እሞ፡+ ኣይትፍርሃዮም።+ ካባታቶም ሓደ እኳ ኺቃወመካ ኣይክእልን እዩ”+ በሎ። 9  እያሱ ኸኣ ካብ ጊልጋል ምሉእ ለይቲ ተጓዒዙ፡ ብድንገት ኣጥቅዖም። 10  የሆዋ ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሸበሮም፣+ ንሳቶም ከኣ ንዓታቶም ኣብ ጊብዖን ወቒዖም ብዙሓት ቀተሉ፣ ብመገዲ ዓቐበት ቤት-ሖሮን ድማ ሰጐጕዎም፡ ክሳብ ዓዜቃን ማቄዳን ከኣ ወቕዕዎም። 11  ካብ እስራኤል ሃዲሞም፡ ኣብ ቍልቍለት ቤት-ሖሮን ከለዉ፡ ክሳብ ዓዜቃ፡ የሆዋ ዓበይቲ ኣእማን በረድ ካብ ሰማይ ኣውደቐሎም እሞ፡ ሞቱ። ካብቶም ብሰይፊ እስራኤላውያን ዝሞቱስ፡ እቶም ብበረድ ዝሞቱ በዝሑ። 12  በታ የሆዋ ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እስራኤላውያን ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከምዚ በሎ፦ “ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን+ ደው በሊ፡+ኣቲ ወርሒ ድማ፡ ኣብ ስንጭሮ* ኣያሎን!” 13  ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ንጸላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቈመት፡ ወርሒ እውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻር+ ተጻሒፉዶ የሎን፧ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ደው በለት፡ ምሉእ መዓልቲ ዚኸውን ከኣ ንምዕራብ ኣይቀልጠፈትን። 14  የሆዋ ንእስራኤል ይዋግኣሉ ነበረ እሞ፡+ የሆዋ ድምጺ ሰብ ዝሰምዓላ+ ኸምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፡ ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን። 15  ድሕርዚ፡ እያሱ ምስ ኵሉ እስራኤል ናብቲ ኣብ ጊልጋል ዝነበረ ሰፈር ተመልሰ።+ 16  እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ፡ ሃዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ።+ 17  ንእያሱ ኸኣ፡ “እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ።+ 18  ሽዑ፡ እያሱ፡ “ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከባልሉ፡ ዚሕልውዎም ሰባት ከኣ መድቡ። 19  ዝተረፍኩም ግና ደው ኣይትበሉ። ንጸላእትኹም ስዒብኩም ብድሕሪኦም ውቕዕዎም።+ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም ኣሎ እሞ፡ ናብ ከተማታቶም ኪኣትዉ ኣይተፍቅዱሎም” በሎም። 20  እያሱን እስራኤላውያንን፡ ብዘይካ ገለ ኣምሊጦም ዝተረፉን ናብ እተዓርዳ ኸተማታት ዝኣተዉን፡ ክሳዕ ዚድምሰሱ ወቒዖም ኣመና ብዙሓት ቀቲሎም ምስ ወድኡ፡ 21  ኵሉ እቲ ህዝቢ ናብ እያሱ፡ ናብቲ ኣብ ማቄዳ ዝነበረ ሰፈር ብሰላም ተመልሰ። ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ንእስራኤላውያን ሓንቲ ቓል ኬውስኣሎም* ኣይደፈረን። 22  ሽዑ፡ እያሱ፡ “ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ካብቲ በዓቲ ናባይ ኣውጽእዎም” በለ። 23  ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፡ ማለት ንንጉስ የሩሳሌምን ንንጉስ ኬብሮንን ንንጉስ ያርሙትን ንንጉስ ላኪሽን ንንጉስ ዔግሎንን፡ ካብቲ በዓቲ ናብኡ ኣውጽእዎም።+ 24  ነቶም ነገስታት እቲኦም ናብ እያሱ ምስ ኣውጽእዎም፡ ንሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ጸዊዑ፡ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ኣዘዝቲ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ፡ “ቅረቡ እሞ፡ ኣእጋርኩም ኣብ ዝባን ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኦም ግበሩ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ቀረቡ እሞ፡ ኣእጋሮም ኣብ ዝባን ክሳውዶም ገበሩ።+ 25  እያሱ ድማ፡ “ኣይትፍርሁ፡ ወይ ኣይትሸበሩ።+ የሆዋ ንዅሎም እቶም እትዋግእዎም ጸላእትኹም ከምኡ ኺገብሮም እዩ እሞ፡ ትብዑን በርትዑን” በሎም።+ 26  ድሕርዚ፡ እያሱ ወቒዑ ቐተሎም፣ ኣብ ሓሙሽተ ጕንዲ* ድማ ሰቐሎም፣ ክሳዕ ምሸት ከኣ ኣብተን ኣጕናድ ተሰቒሎም ወዓሉ። 27  ኣብ ዕራርቦ ጸሓይ ግና፡ እያሱ ኣዘዘ እሞ፡ ካብተን ኣጕናድ ኣውሪዶም+ ኣብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ኣብቲ ኣፍ በዓቲ ድማ፡ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓበይቲ ኣእማን ገበሩ። 28  እያሱ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ+ ሓዛ፡ ብሰይፊ ድማ ወቕዓ። ንንጉሳን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን* ከኣ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ ኣጥፍኦም።+ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ፡ ንንጉስ ማቄዳ+ ድማ ከምኡ ገበሮ። 29  እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሓለፈ፡ ንሊብና ድማ ተዋግኣ።+ 30  የሆዋ ኸኣ ንዓኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ሃበ፣+ ንሳቶም ድማ ንዓኣን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን፡* ኣብኣ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ብሰይፊ ወቕዑ። ንንጉሳ ኸኣ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ ገበርዎ።+ 31  እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ካብ ሊብና ናብ ላኪሽ+ ሓለፈ፣ ኣብኣ ሰፊሮም ድማ ተዋግእዋ። 32  የሆዋ ኸኣ ንላኪሽ ኣብ ኢድ እስራኤል ሃባ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ሓዝዋ። ከምቲ ንሊብና ዝገበርዋ ኸኣ፡ ንዓኣን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን* ብሰይፊ ወቕዑ።+ 33  ሽዑ፡ ሆራም ንጉስ ጌዘር+ ንላኪሽ ኪረድኣ ደየበ፣ እያሱ ግና ንዕኡን ንህዝቡን ሓደ እኳ ኸየትረፈ ወቕዖም። 34  እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ካብ ላኪሽ ናብ ዔግሎን+ ሓለፈ፣ ኣብኣ ሰፊሮም ድማ ተዋግእዋ። 35  በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓዝዋ፡ ብሰይፊ ድማ ወቕዕዋ። ከምቲ ንላኪሽ ዝገበርዋ ኸኣ፡+ ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉ* በታ መዓልቲ እቲኣ ኣጥፍኡ። 36  እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ካብ ዔግሎን ናብ ኬብሮን+ ደየበ፣ ተዋግእዋ ድማ። 37  ሓዝዋ ኸኣ፡ ንዓኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን* ከኣ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ብሰይፊ ወቕዑ። ከምቲ ንዔግሎን ዝገበራ፡ ንዓኣን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን* እውን ኣጥፍኡ። 38  እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ናብ ደቢር+ ተመሊሱ ተዋግኣ። 39  ንዓኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ድማ ሓዘ፣ ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉ* ኸኣ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ብሰይፊ ወቒዖም ኣጥፍኡ።+ ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፡ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ድማ ዝገበሮ፡ ኣብ ደቢርን ኣብ ንጉሳን እውን ከምኡ ገበረ። 40  እያሱ ኸኣ ንዅላ ምድሪ ኣኽራንን ነጌብን ሼፈላን+ ቍልቍለትን ንዅሎም ነገስታቶምን ሓደ እኳ ኸየትረፈ ሰዓሮም፣ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ ድማ፡+ ትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ኣጥፍኡ።+ 41  እያሱ ኸኣ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ክሳብ ጋዛን+ ኵላ ምድሪ ጎሼንን+ ክሳብ ጊብዖንን ሰዓረ።+ 42  የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግኣሉ ስለ ዝነበረ፡ እያሱ ንዅሎም እዞም ነገስታት እዚኦምን ንምድሮምን ብሓንሳእ ሓዘ።+ 43  ድሕርዚ፡ እያሱ ምስ ኵሉ እስራኤል ናብቲ ኣብ ጊልጋል ዝነበረ ሰፈር ተመልሰ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኢድካ ኻብ ባሮትካ ኣይተውርድ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ልሳኑ ኺስሕለሎም።”
ወይ፡ “ኦም።”
ወይ፡ “ዅለን ነፍሳትን።”
ወይ፡ “ዅለን ነፍሳትን።”
ወይ፡ “ዅለን ነፍሳትን።”
ወይ፡ “ዅለን ነፍሳት።”
ወይ፡ “ዅለን ነፍሳትን።”
ወይ፡ “ዅለን ነፍሳትን።”
ወይ፡ “ዅለን ነፍሳት።”