ኣሞጽ 1:1-15
1 ቃላት ኣሞጽ* እቲ ኻብቶም ሰብ ኣባጊዕ ተቆዓ+ ዝነበረ፡ ብዘመን ዑዝያ+ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም+ ወዲ ዮኣስ+ ንጉስ እስራኤልን፡ ክልተ ዓመት ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ+ ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ ራእይ።
2 ከምዚ ድማ በለ፦
“የሆዋ ኻብ ጽዮን ኪጓዝም፡ካብ የሩሳሌም እውን ድምጹ ኼስምዕ እዩ።
መጓሰዪታት ጓሶት ኪሓዝን፡ርእሲ ቀርሜሎስ ከኣ ኪነቅጽ እዩ።”+
3 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘“ንጊልዓድ ብመኼዳ ሓጺን ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል* ደማስቆ፡ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።
4 ስለዚ፡ ናብ ቤት ሓዛኤል ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ንእተዓርደ ግምብታት ቤን-ሃዳድ ከኣ ኪበልዖ እዩ።+
5 ንተገዳማት ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፣+ንነበርቲ ቢቃት-ኣዌንንነቲ ኻብ ቤት-ኤደን ዚገዝእን* ከጥፍኦም እየ፣ህዝቢ ሶርያ ድማ ተማሪኹ ናብ ቂር ኪኸይድ እዩ”+ ይብል የሆዋ።’
6 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘“ንብዘለዉ ጕጅለ ምሩኻት ወሲዶም+ ንኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም እዮም እሞ፡ስለ ሰለስተ በደል ጋዛ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።
7 ስለዚ፡ ናብ መካበብያ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ንእተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።
8 ንነበርቲ ኣሽዶድን+ነቲ ኻብ ኣሽቀሎን ዚገዝእን* ከጥፍኦም እየ፣+ኢደይ ኣንጻር ዔቅሮን ክመልስ እየ፣+እቶም ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኪጠፍኡ እዮም”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።’
9 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘ንብዘለዉ ጕጅለ ምሩኻት ወሲዶም ንኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም እዮም፡ኪዳን ኣሕዋት እውን ኣይዘከሩን እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል ጢሮስ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።
10 ስለዚ፡ ናብ መካበብያ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ንእተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።’+
11 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘ንኣሕዋቱ ብሰይፊ ሰጒጕዎም፡+ከይምሕሮም እውን ኣብዩ እዩ፡ብቝጥዓኡ ብዘይምቍራጽ ቀዳዲድዎም፡ብቐጻሊ እውን ነዲሩ እዩ እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል ኤዶም፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።
12 ስለዚ፡ ናብ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ንእተዓርደ ግምብታት ቦጽራ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።’+
13 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘“ሃገሮም ኬግፍሑስ ንጥኑሳት ጊልዓድ ቀዲዶምወን እዮም እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል ዓሞናውያን፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ፣
14 ስለዚ፡ ኣብ መካበብያ ራባ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፣+ብመዓልቲ ውግእ ከኣ ምስ ጭድርታ ውግእ፡ብመዓልቲ ህቦብላ ንፋስ ድማ ምስ ህቦብላ፡ንእተዓርደ ግምብታታ ኺበልዖ እዩ።
15 ንጉሶም ከኣ ምስ መሳፍንቱ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ”+ ይብል የሆዋ።’

