ኢሳይያስ 62:1-12
-
ሓድሽ ስም ጽዮን (1-12)
62 ጽድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፡+ድሕነታ ድማ ከም ፋና ኽሳዕ ዚበርህ፡+ምእንቲ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡+ምእንቲ የሩሳሌም ድማ ኣይክዓርፍን እየ።
2 “ኣህዛብ ጽድቅኺ፡+ኵሎም ነገስታት ከኣ ክብርኺ ኺርእዩ እዮም።+
ኣፍ የሆዋ ብዘውጽኦሓድሽ ስም ድማ ክትጽውዒ ኢኺ።+
3 ኣብ ኢድ የሆዋ ዘውዲ ጽባቐ፡ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ መጠምጠምያ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ።
4 ደጊም እተሓድገት ኣይክትብሃልን ኢኺ፣+ምድርኺ ኸኣ ደጊም ዝባደመት ኣይክትብሃልን እያ።+
ግናኸ፡ ደስታይ ኣብኣ እዩ ኽትብሃሊ ኢኺ፣+ምድርኺ ድማ ምርዕውቲ ኽትብሃል እያ።
የሆዋስ ብኣኺ ደስ ኪብሎ እዩ፣ምድርኺ ድማ ከም ምርዕውቲ ኽትከውን እያ።
5 ከመይሲ፡ ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዚምርዖ፡ደቅኺ ኺምርዓዉኺ እዮም።
መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዚሕጐስ፡ኣምላኽ ብኣኺ ኺሕጐስ እዩ።+
6 ኦ የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ መካበብያኺ ሓለውቲ መዚዘ ኣለኹ።
ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን፡ ወትሩ ስቕ ኣይበሉ።
ኣቱም ንየሆዋ እትረቝሕዎ፡ኣይትዕረፉ፣
7 ንየሩሳሌም ክሳዕ ዜጽንዓ፡እወ፡ ውዳሰ ምድሪ ኽሳዕ ዚገብራ ኣይተዕርፍዎ።”+
8 የሆዋ ብየማነይቲ ኢዱ፡ ብሓያል ቅልጽሙ ምሒሉ ኣሎ፦
“እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ደጊም ኣይክህብን እየ፣ጓኖት እውን ነቲ ዝጸዓርክሉ ጕዕሽ ወይንኺ ኣይኪሰትዩን እዮም።+
9 የግዳስ፡ እቶም ዚእክብዎ ኺበልዕዎ፡ ንየሆዋ ድማ ኪውድስዎ እዮም፣እቶም ዘእተውዎ ኸኣ ኣብ ቅዱስ ኣጸዳተይ ኪሰትይዎ እዮም።”+
10 ሕለፉ፡ ብኣፍ ደገታት ሕለፉ።
ነቲ ህዝቢ መገዲ ጽረጉሉ።+
ኣጣጥሑ፡ ጐደና ኣጣጥሑ።
ኣእማን ጽረጉ።+
ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።+
11 እንሆ፡ የሆዋ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ኣዊጁ ኣሎ፦
“ንጓል ጽዮን፡‘እንሆ፡ ድሕነትኪ ይመጽእ ኣሎ።+
እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፣እቲ ዚኸፍሎ ጻማ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እዩ’ በልዋ።”+
12 ንሳቶም ድማ ቅዱስ ህዝቢ፡ የሆዋ እተበጀዎም ኪብሃሉ እዮም፣+ንስኺ ኸኣ ተደላዪት፡ ዘይተሓድገት ከተማ ኽትብሃሊ ኢኺ።+

