ኢሳይያስ 50:1-11
50 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ጽሑፍ መፍትሒ+ እታ ዝሰደድክዋ ኣዴኹም ኣበይ ኣሎ፧
ወይስ ነየናይ ካብ ኣለቃሕተይ እየ ሸይጠኩም፧
እንሆ፡ ብሰንኪ ስሕተትኩም+ ኢኹም ተሼጥኩም፣ብሰንኪ ኣበሳኹም እውን እያ ኣዴኹም እተሰድደት።+
2 ስለምንታይ ደኣ ምስ መጻእኩስ፡ ሓደ እኳ ዘይጸንሐ፧
ስለምንታይከ ምስ ጸዋዕኩ፡ ሓደ እኳ ዘይመለሰ፧+
ኢደይዶ ንምብጃው ሓጻር እያ፧
ንምንጋፍከ ሓይሊዶ የብለይን እየ፧+
እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ አንቅጾ፣+ንኣፍላግ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ።+
ዓሳታቱ ብስእነት ማይ ይምሽምሹ፣ብሰንኪ ጽምኢ ኸኣ ይሞቱ።
3 ንሰማያት ብድነ እኸድኖ፡+መጐልበቢኡ ድማ ማቕ እገብሮ።”
4 ንድኹም ከመይ ገይረ ብቕኑዕ ቃል* ከም ዝምልስ* ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡+እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ልሳን እተማህሩ* ሂቡኒ እዩ።+
ንግሆ ንግሆ የንቅሓኒ፣ከምቶም እተማህሩ ኽሰምዕሲ ንእዝነይ የንቅሖ።+
5 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዝነይ ከፊቱለይ፣ኣነ ኸኣ ዓላዊ ኣይኰንኩን።+
ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ድማ ኣየበልኩን።+
6 ዝባነይ ንወቓዕቲ፡መዓጕርተይ ከኣ ንነጸይቲ* ሂበ እየ።
ገጸይ ካብ ዜዋርድ ነገርን ጡፍ ካብ ምባልን ኣይሓባእኩን።+
7 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ግና ኪረድኣኒ እዩ።+
ስለዚ፡ ኣይክዋረድን እየ።
ስለዚ፡ ንገጸይ ከም ኣዝሒት ገይረዮ እየ፣+ከም ዘይሓፍር ድማ እፈልጥ እየ።
8 እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ እዩ።
መን ኪኸስሰኒ* ይኽእል፧+
ብሓደ እስከ ንቑም።*
መን እዩ ምሳይ ነገር ዘለዎ፧
ይቕረበኒ።
9 እንሆ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኺረድኣኒ እዩ።
መን እዩ ዚዅንነኒ፧
እንሆ፡ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ብልዒ እውን ኪበልዖም እዩ።
10 ካባኻትኩምሲ ንየሆዋ ዚፈርሆ፡ድምጺ ጊልያኡ ድማ ዚሰምዕ መን እዩ፧+
ብድቕድቕ ጸልማት፡ ብዘይ ገለ ብርሃን እተመላለሰ መን እዩ፧
ብስም የሆዋ ይተኣመን፡* ኣብ ኣምላኹ እውን ይመርኰስ።*
11 “እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እትውልዑ፡ቍልዒ ሓዊ እተንጥሩ፡ብብርሃን ሓውኹም፡ኣብቲ ዘንደድኩምዎ ቝልዒ ሓዊ ተመላለሱ።
ካብ ኢደይሲ እዚ ኢኹም ክትረኽቡ፦
ብብርቱዕ ስቓይ በጥ ክትብሉ ኢኹም።

