ኢሳይያስ 47:1-15

  • ውድቀት ባቢሎን (1-15)

    • ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ተቓልዑ (13-15)

47  ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡ውረዲ፡ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ።+ ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ዝፋን ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ተቐመጢ።+ ደጊምሲ ተነቃፊትን ሕንቅቕትን ኢሎም ኣይኪጽውዑኽን እዮም።  2  መጥሓን ሓዚ እሞ ሓርጭ ጥሓኒ። መጐልበቢኺ ቕልዒ። ወሰን ክዳንኪ ቐንጥጢ፡ ኣእጋርኪ እውን ቅልዒ። ኣፍላግ ተሳገሪ።  3  ዕርቃንኪ ኪቕላዕ እዩ። ሕፍረትኪ ኺርአ እዩ። ሕነ ኽፈዲ እየ፣+ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ መገደይ ኣይኪቐውምን እዩ።*  4  “እቲ ተበጃዊና፡—ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፡—ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”+  5  ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኪዲ፣+ደጊም እመቤት* መንግስትታት ኣይኪብሉኽን እዮም።+  6  ንህዝበይ ተቘጢዐዮ።+ ንርስተይ ፈንፊነዮ፣+ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሂበዮ።+ ንስኺ ግና ኣይምሓርክዮምን።+ ኣብ ኣረገውቲ እኳ ኸቢድ ኣርዑት ኣንቢርኪ።+  7  “ወትሩ፡ ንዘለኣለም እመቤት* ክኸውን እየ” ኢልኪ።+ ነዚ ኣብ ልብኺ ኣየሕደርክዮን፣መወዳእታ እቲ ነገር ኣይሓሰብክዮን።  8  ሕጂ ድማ፡ ኣቲ ፈታዊት ተድላ፡+ኣቲ ብደሓን እተቐመጥኪ፡ ኣቲ ብልባ፡“ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን።+ መበለት ኣይክኸውንን እየ። ውሉዳት ከቶ ኣይክስእንን እየ” እትብሊ፡ ነዚ ስምዒ።+  9  እዚ ኽልተ ነገር ብሃንደበት፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጸኪ እዩ፦+ ስእነት ውሉድን ምብልውናን። ብሰንኪ እቲ ብዙሕ ኣስማትክን ኵሉ እቲ ብርቱዕ ስራይክን፡*+መስፈሪ መሊኡ ኺመጸኪ እዩ።+ 10  ብእከይኪ ተኣሚንኪ። “ሓደ እኳ ኣይርእየንን” ኢልኪ። ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሒቱኪ፣ብልብኺ ድማ፡ “ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን” ኢልኪ። 11  ግናኸ፡ መዓት ኪመጸኪ፡መዐዘሚኺ ኸኣ ኣይኪዓግቶን እዩ።* መከራ ኺወርደኪ እዩ፣ ከተወግድዮ ድማ ኣይክትክእልን ኢኺ። ኣቐዲምኪ ዘይትፈልጥዮ ሃንደበታዊ ዕንወት ኪመጸኪ እዩ።+ 12  ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሉስራይን ብዙሕ ኣስማትን እስከ ቐጽሊ።+ ምናልባት ክትጥቀሚ ትኽእሊ ትዀኒ፣ምናልባት ንሰባት ተፍርሂ ትዀኒ። 13  ብብዝሒ ኣማኸርትኺ ደኺምኪ። እቶም ንሰማያት ዜምልኹ፡* እቶም ንኸዋኽብቲ ዚጥምቱ፡+እቶም ብዛዕባ ዚመጸኪ ነገራትኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ፍልጠት ዚህቡ፡ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። 14  እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም። ሓዊ ኼንድዶም እዩ። ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ፡ ርእሶም* ኬድሕኑ ኣይክእሉን እዮም። እዝስ ንምማቝ ዚኸውን ጓህሪ፡ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ሓዊ ድማ ኣይኰነን። 15  ዓዘምትኺ ንዓኺ ኸምኡ ኪዀኑ፡እቶም ካብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሎም እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም። ነፍሲ ወከፎም በብኣንፈቶም* ኰለል ኪብሉ እዮም። ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።+

እግረ ጽሑፍ

^ ወይ፡ “ንሓደ እኳ ብጽቡቕ ኣይክቕበልን እየ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ንግስቲ።”
^ ወይ፡ “ንግስቲ።”
^ ወይ፡ “ብዙሕ ኣስማትክን ኵሉ ብርቱዕ ስራይክን እናሃለወኪ ኽነሱ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ክትዕዝምዮ ኸኣ ኣይክትክእልን ኢኺ።”
^ ወይ፡ “እቶም ንሰማያት ዚመቕሉ፣ እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ነፍሶም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ነናብ ዞባኦም።”