ኢሳይያስ 28:1-29
28 እታ ናይ ረኣዩለይ* ዘውዲ* እቶም ሰኽራማት ኤፍሬምን+እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ እቶም ብወይኒ እተሰነፉ ዘሎክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባን፡ ወይለኡ!
2 እንሆ፡ የሆዋ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ኣለዎ።
ከም ሃጽፊ በረድ፡ ከም ዜጥፍእ ህቦብላ ንፋስ፡ከም ነጕዲ ሓያል ምዕልቕላቕ ማያት፡ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኺድርብዮ እዩ።
3 እቲ ናይ ረኣዩለይ* ዘውድታት እቶም ሰኽራማት ኤፍሬምኣብ ትሕቲ እግሪ ኺርገጽ እዩ።+
4 እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ ዘሎክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባ ኸኣ፡ከምቲ ቕድሚ ሓጋይ ዚርከብ ቀዳማይ በለስ ኪኸውን እዩ።
ሓደ ምስ ረኣዮ እሞ ኣብ ኢዱ ምስ ሓዞ፡ ብኡብኡ ይውሕጦ።
5 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቶም ካብ ህዝቡ ዝተረፉ፡ ክቡር ዘውድን ጽቡቕ ኣኽሊል ዕምባባን ኪኸውን እዩ።+
6 ነቲ ኣብ ፍርዲ እተቐመጠ ኸኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ዚመልሱ እውን ምንጪ ሓይሊ ኪኸውን እዩ።+
7 እዚኣቶም እውን ብወይኒ ይስሕቱ፣ኣልኮላዊ መስተኦም ሰንከልከል የብሎም።
ካህንን ነብይን ብሰሪ ኣልኮላዊ መስተ ይስሕቱ፣ወይኒ የደናግሮም፣ብኣልኮላዊ መስተኦም ድማ ሰንከልከል ይብሉ።
ራእዮም የስሕቶም፣ኣብ ፍርዲ እውን ይዕንቀፉ።+
8 መኣድታቶምሲ ዜፈንፍን ትፋእ ዝመልአ እዩ፣—ንሱ ዘይብሉ ቦታ የልቦን።
9 ንመን ደኣ ፍልጠት ኬካፍል፡ንመንከ መልእኽቲ ኺገልጽ እዩ፧
ነቶም ጸባ ዝሓደጉ፡ነቶም ጡብ ሕዳግ ድዩ፧
10 ከመይሲ፡ “ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡ መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡*+ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ” እዩ።
11 እምበኣር፡ ብወታእ ዘረባን* ብቛንቋ ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኺዛረቦ እዩ።+
12 ንሱስ፡ “እዚኣ መዕረፊት እያ። እቲ ድኹም ይዕረፍ፣ እዚኣ ቦታ ዕረፍቲ እያ” ኢልዎም ነይሩ፣ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣብዮም።+
13 ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ንዓታቶም፡
“ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡ መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡*+ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ” ኪኸውን እዩ።
ስለዚ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ኪዕንቀፉ፡ ጥንቅልዒት ኪወድቁ፡ኪስበሩ፡ ኪፍንጠሩ፡ ኪትሓዙ እውን እዮም።+
14 እምበኣር፡ ኣቱም ምኩሓት፡ኣቱም ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እትገዝኡ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፣
15 ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ትብሉ ኢኹም፦
“ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፡+ምስ መቓብር* ድማ ተዋዓዒልና* ኢና።
ንሓሶት መዕቈቢና ጌርናዮ፡ብምትላል እውን ተሓቢእና ኢና እሞ፡+ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኪሓልፍ ከሎ፡ኣይኪበጽሓናን እዩ።”
16 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“እንሆ፡ ኣብ ጽዮን መሰረት ዚኸውን ፍቱን እምኒ፡+ርግጽ መሰረት+ ዚኸውን ክቡር እምኒ መኣዝን+ አንብር ኣለኹ።
ብእኡ ዚኣምን ኣይኪስምብድን እዩ።+
17 ፍትሒ፡ ገመድ መለክዒ፡+ጽድቂ ኸኣ፡ መዐቀኒ ጽፍሒ* ኽገብር እየ።+
በረድ ንመዕቈቢ ሓሶት ኪዅስትሮ፡ማያት ድማ ነቲ መሕብኢ ኺድምስሶ እዩ።
18 እቲ ምስ ሞት እተኣታቶኹምዎ ኺዳንኩም ኪፈርስ፡እቲ ምስ መቓብር* ዝገበርኩምዎ ውዕል እውን ኣይኪቐውምን እዩ።+
ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኪሓልፍ ከሎ፡ብእኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።
19 ንግሆ ንግሆ፡መዓልትን ለይትን ኪሓልፍ እዩ እሞ፡ብዝሓለፈ መጠን፡ኪዅስትረኩም እዩ።+
ሽበራ ጥራይ እዩ ነቲ ዝሰምዕዎ ዜረድኦም።”*
20 ከይተሳፍሓሉስ ዓራት ሓጺር እዩ፣ከይትጕልበብ ድማ መደረብታ ጸቢብ እዩ።
21 የሆዋስ ከም ኣብ ከረን ጰራጺም ኪትንስእ እዩ፣ተግባሩ፡—እቲ ዜደንቕ ተግባሩ፡—ምእንቲ ኺገብር፡ዕዮኡ፡—እቲ ዘይልሙድ ዕዮኡ፡+—ድማ ምእንቲ ኺፍጽም፡ከምቲ ኣብ ጥቓ ጊብዖን+ ዘሎ ስንጭሮ* እውን ርእሱ ኼለዓዕል እዩ።
22 ንዅላ እታ ምድሪ* ጥፍኣት ተመዲቡ ኸም ዘሎ፡+ካብ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፡ማእሰርትኹም ከይጸንዕሲ፡ሕጂ ኣይተላግጹ።+
23 ጽን በሉ፡ ድምጸይ እውን ስምዑ፣ኣቕልቡ፡ ዝብሎ ድማ ስምዑ።
24 ሓረስታይሲ ዘርኢ ኸይዘርአ ምሉእ መዓልቲዶ ኺሓርስ ይውዕል እዩ፧
ብቐጻሊዶ ንምድሩ ይባርዎን ድንኩል ይሰብርን እዩ፧+
25 ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ፡ኣበሱዳዶ ኣይብትንን፡ ካሙንዶኸ ኣይዘርእን እዩ፧
ስርናይን ብልቱግን ስገምን ኣብ ቦታኡ፡ዓለስ+ ድማ ኣብ ወሰን ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ፧
26 ንሱስ ቅኑዕ መገዲ የፍልጦ፡*ኣምላኹ ይምህሮ እዩ።+
27 ኣበሱዳስ ብመኼዲ ኣይርገጽን እዩ፣+ካሙን ከኣ ብመንኰርኰር ሰረገላ ኣይክየድን እዩ።
የግዳስ፡ ኣበሱዳ ብበትሪ፡ካሙን ድማ ብዘንጊ እዩ ዚዝበጥ።
28 ሰብዶ ነቲ ንእንጌራ ዚኸውን እኽሊ ይጥሕኖ እዩ፧
ኣይፋሉን፡ ብዘይምቍራጽሲ ኣየኺዶን እዩ፣+ብኣፍራሱ ገይሩ መንኰርኰር ሰረገላኡ ኣብ ልዕሊኡ ኬኽይድ ከሎ ኸኣ፡ኣይጥሕኖን እዩ።+
29 እዚ እውን ካብቲ ምኽሩ* ዜደንቕ፡ዕዮኡ* ድማ ዓብዪ ዝዀነ+የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ ዚመጽእ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ዕቡይ፣ ኵሩዕ።”
^ ነታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ሰማርያ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
^ ወይ፡ “ዕቡይ፣ ኵሩዕ።”
^ ወይ፡ “ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ከንፈርን።”
^ ወይ፡ “ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ።”
^ ወይ፡ “ራእይ ኣምጺእና” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “መለክዒ መንደቕ፣ ኣድማስ፣ ቢምቦ።”
^ ወይ፡ “ምስ ተረድኡ፡ ፈጺሞም ኪሽበሩ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
^ ወይ፡ “ንብዘላ ምድሪ።”
^ ወይ፡ “ይግስጾ፣ ይቐጽዖ።”
^ ወይ፡ “ዕላማኡ።”
^ ወይ፡ “ግብራዊ ጥበቡ።”