ኢሳይያስ 28:1-29

  • ሰኽራማት ኤፍሬም ወይለኦም! (1-6)

  • ካህናትን ነብያትን ይሁዳ ሰንከልከል ኪብሉ እዮም (7-13)

  • “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና” (14-22)

    • ክቡር እምኒ መኣዝን ኣብ ጽዮን (16)

    • ዘይልሙድ ዕዮ የሆዋ (21)

  • ተግሳጽ የሆዋ ጥበብ ዝመልኦ ምዃኑ ዚሕብር ምሳሌ (23-29)

28  እታ ናይ ረኣዩለይ* ዘውዲ* እቶም ሰኽራማት ኤፍሬምን+እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ እቶም ብወይኒ እተሰነፉ ዘሎክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባን፡ ወይለኡ!  2  እንሆ፡ የሆዋ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ኣለዎ። ከም ሃጽፊ በረድ፡ ከም ዜጥፍእ ህቦብላ ንፋስ፡ከም ነጕዲ ሓያል ምዕልቕላቕ ማያት፡ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኺድርብዮ እዩ።  3  እቲ ናይ ረኣዩለይ* ዘውድታት እቶም ሰኽራማት ኤፍሬምኣብ ትሕቲ እግሪ ኺርገጽ እዩ።+  4  እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ ዘሎክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባ ኸኣ፡ከምቲ ቕድሚ ሓጋይ ዚርከብ ቀዳማይ በለስ ኪኸውን እዩ። ሓደ ምስ ረኣዮ እሞ ኣብ ኢዱ ምስ ሓዞ፡ ብኡብኡ ይውሕጦ። 5  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቶም ካብ ህዝቡ ዝተረፉ፡ ክቡር ዘውድን ጽቡቕ ኣኽሊል ዕምባባን ኪኸውን እዩ።+ 6  ነቲ ኣብ ፍርዲ እተቐመጠ ኸኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ዚመልሱ እውን ምንጪ ሓይሊ ኪኸውን እዩ።+  7  እዚኣቶም እውን ብወይኒ ይስሕቱ፣ኣልኮላዊ መስተኦም ሰንከልከል የብሎም። ካህንን ነብይን ብሰሪ ኣልኮላዊ መስተ ይስሕቱ፣ወይኒ የደናግሮም፣ብኣልኮላዊ መስተኦም ድማ ሰንከልከል ይብሉ። ራእዮም የስሕቶም፣ኣብ ፍርዲ እውን ይዕንቀፉ።+  8  መኣድታቶምሲ ዜፈንፍን ትፋእ ዝመልአ እዩ፣—ንሱ ዘይብሉ ቦታ የልቦን።  9  ንመን ደኣ ፍልጠት ኬካፍል፡ንመንከ መልእኽቲ ኺገልጽ እዩ፧ ነቶም ጸባ ዝሓደጉ፡ነቶም ጡብ ሕዳግ ድዩ፧ 10  ከመይሲ፡ “ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡ መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡*+ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ” እዩ። 11  እምበኣር፡ ብወታእ ዘረባን* ብቛንቋ ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኺዛረቦ እዩ።+ 12  ንሱስ፡ “እዚኣ መዕረፊት እያ። እቲ ድኹም ይዕረፍ፣ እዚኣ ቦታ ዕረፍቲ እያ” ኢልዎም ነይሩ፣ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣብዮም።+ 13  ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ንዓታቶም፡ “ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡ መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡*+ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ” ኪኸውን እዩ። ስለዚ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ኪዕንቀፉ፡ ጥንቅልዒት ኪወድቁ፡ኪስበሩ፡ ኪፍንጠሩ፡ ኪትሓዙ እውን እዮም።+ 14  እምበኣር፡ ኣቱም ምኩሓት፡ኣቱም ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እትገዝኡ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፣ 15  ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ትብሉ ኢኹም፦ “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፡+ምስ መቓብር* ድማ ተዋዓዒልና* ኢና። ንሓሶት መዕቈቢና ጌርናዮ፡ብምትላል እውን ተሓቢእና ኢና እሞ፡+ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኪሓልፍ ከሎ፡ኣይኪበጽሓናን እዩ።” 16  ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን መሰረት ዚኸውን ፍቱን እምኒ፡+ርግጽ መሰረት+ ዚኸውን ክቡር እምኒ መኣዝን+ አንብር ኣለኹ። ብእኡ ዚኣምን ኣይኪስምብድን እዩ።+ 17  ፍትሒ፡ ገመድ መለክዒ፡+ጽድቂ ኸኣ፡ መዐቀኒ ጽፍሒ* ኽገብር እየ።+ በረድ ንመዕቈቢ ሓሶት ኪዅስትሮ፡ማያት ድማ ነቲ መሕብኢ ኺድምስሶ እዩ። 18  እቲ ምስ ሞት እተኣታቶኹምዎ ኺዳንኩም ኪፈርስ፡እቲ ምስ መቓብር* ዝገበርኩምዎ ውዕል እውን ኣይኪቐውምን እዩ።+ ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኪሓልፍ ከሎ፡ብእኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም። 19  ንግሆ ንግሆ፡መዓልትን ለይትን ኪሓልፍ እዩ እሞ፡ብዝሓለፈ መጠን፡ኪዅስትረኩም እዩ።+ ሽበራ ጥራይ እዩ ነቲ ዝሰምዕዎ ዜረድኦም።”* 20  ከይተሳፍሓሉስ ዓራት ሓጺር እዩ፣ከይትጕልበብ ድማ መደረብታ ጸቢብ እዩ። 21  የሆዋስ ከም ኣብ ከረን ጰራጺም ኪትንስእ እዩ፣ተግባሩ፡—እቲ ዜደንቕ ተግባሩ፡—ምእንቲ ኺገብር፡ዕዮኡ፡—እቲ ዘይልሙድ ዕዮኡ፡+—ድማ ምእንቲ ኺፍጽም፡ከምቲ ኣብ ጥቓ ጊብዖን+ ዘሎ ስንጭሮ* እውን ርእሱ ኼለዓዕል እዩ። 22  ንዅላ እታ ምድሪ* ጥፍኣት ተመዲቡ ኸም ዘሎ፡+ካብ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፡ማእሰርትኹም ከይጸንዕሲ፡ሕጂ ኣይተላግጹ።+ 23  ጽን በሉ፡ ድምጸይ እውን ስምዑ፣ኣቕልቡ፡ ዝብሎ ድማ ስምዑ። 24  ሓረስታይሲ ዘርኢ ኸይዘርአ ምሉእ መዓልቲዶ ኺሓርስ ይውዕል እዩ፧ ብቐጻሊዶ ንምድሩ ይባርዎን ድንኩል ይሰብርን እዩ፧+ 25  ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ፡ኣበሱዳዶ ኣይብትንን፡ ካሙንዶኸ ኣይዘርእን እዩ፧ ስርናይን ብልቱግን ስገምን ኣብ ቦታኡ፡ዓለስ+ ድማ ኣብ ወሰን ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ፧ 26  ንሱስ ቅኑዕ መገዲ የፍልጦ፡*ኣምላኹ ይምህሮ እዩ።+ 27  ኣበሱዳስ ብመኼዲ ኣይርገጽን እዩ፣+ካሙን ከኣ ብመንኰርኰር ሰረገላ ኣይክየድን እዩ። የግዳስ፡ ኣበሱዳ ብበትሪ፡ካሙን ድማ ብዘንጊ እዩ ዚዝበጥ። 28  ሰብዶ ነቲ ንእንጌራ ዚኸውን እኽሊ ይጥሕኖ እዩ፧ ኣይፋሉን፡ ብዘይምቍራጽሲ ኣየኺዶን እዩ፣+ብኣፍራሱ ገይሩ መንኰርኰር ሰረገላኡ ኣብ ልዕሊኡ ኬኽይድ ከሎ ኸኣ፡ኣይጥሕኖን እዩ።+ 29  እዚ እውን ካብቲ ምኽሩ* ዜደንቕ፡ዕዮኡ* ድማ ዓብዪ ዝዀነ+የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ ዚመጽእ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዕቡይ፣ ኵሩዕ።”
ነታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ሰማርያ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ዕቡይ፣ ኵሩዕ።”
ወይ፡ “ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ከንፈርን።”
ወይ፡ “ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ራእይ ኣምጺእና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “መለክዒ መንደቕ፣ ኣድማስ፣ ቢምቦ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ምስ ተረድኡ፡ ፈጺሞም ኪሽበሩ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ንብዘላ ምድሪ።”
ወይ፡ “ይግስጾ፣ ይቐጽዖ።”
ወይ፡ “ዕላማኡ።”
ወይ፡ “ግብራዊ ጥበቡ።”