ኢሳይያስ 13:1-22
13 ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ብራእይ ዝረኣዮ ኣንጻር ባቢሎን+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦
2 “ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ከረን መላጥ ኣኻውሕ ኣልዕሉ።+
ብኣፍ ደገታት ልዑላን ኪኣትዉስ፡ተደሃይዎም፡ ኢድኩም ኣወዛውዙ።
3 ነቶም ዝሸምክዎም* ኣዚዘዮም ኣለኹ።+
ቍጥዓይ ንምግላጽ ንጀጋኖይ፡ብዅርዓት ንዚፍስሁ ጸዊዐዮም ኣለኹ።
4 ስምዑ! ህዝቢ ኣብ ኣኽራን ኣሎ፣ናይ ብዙሕ ህዝቢ ደሃይ ኣሎ!
ስምዑ! ናይ መንግስትታትንናይ እኩባት ኣህዛብን ያዕያዕታ!+
የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቲ ሰራዊት ንውግእ ይእክቦ ኣሎ።+
5 የሆዋን ኣጽዋር ቍጥዓኡን፡ንዅላ ምድሪ ኼጥፍኡስ፡+ካብ ርሑቕ ሃገር፡+ካብ ወሰን ሰማያት ይመጹ ኣለዉ።
6 መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ!
ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዅሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ።+
7 ስለዚ፡ ኵለን ኣእዳው ኪለምሳ እየን፣ልቢ ዅሉ ሰብ ድማ ብፍርሂ ኺመክኽ እዩ።+
8 ሰባት ሰምቢዶም እዮም።+
ቅልውላው ከም ዝሓዛ ሰበይቲ፡ብምንፍርፋርን ብቕልውላውን ተታሒዞም እዮም።
ሰኪሖም ንሓድሕዶም ይጠማመቱ ኣለዉ፣ገጾም ብጓሂ ጓህሪ መሲሉ ኣሎ።
9 እንሃ፡ መዓልቲ የሆዋነታ ምድሪ መሰክሒ ኽትገብራ፡+ንሓጥኣን እታ ምድሪ ድማ ካብኣ ኸተጥፍኦም፡ብነድርን ብዚነድድ ቍጥዓን ትመጽእ ኣላ።
10 ከዋኽብቲ ሰማያትን ናታቶም ጭፍራታት ከዋኽብትንሲ፡*+ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፣ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት፡ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ።
11 ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡+ንእኩያት ድማ ስለ ስሕተቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።
ንዅርዓት ተዳፈርቲ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ንትዕቢት ጨቈንቲ ኸኣ ከዋርዶ እየ።+
12 ንመዋቲ ሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ ንላዕሊ ብርቂ፡+ንሰብ ድማ ካብ ወርቂ ኦፊር+ ንላዕሊ ብርቂ ኽገብሮ እየ።
13 ስለዚ፡ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፣ምድሪ ኸኣ ብነድሪ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ብመዓልቲ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ፡ ካብ ቦታኣ ኽትናወጽ እያ።+
14 ከም እተሃድነት ሰስሓን ኣካቢ ኸም ዘይብለን መጓሰን፡ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ኺምለስ፡ነፍሲ ወከፍ ነናብ ምድሩ ኺሃድም እዩ።+
15 እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእ፡እተታሕዘ ዘበለ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ።+
16 ደቆም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪሕምሸሹ፡+ኣባይቶም ኪዝመት፡ኣንስቶም ከኣ ኪዕመጻ እየን።
17 እንሆ፡ ኣንጻሮም ንሜዶናውያን፡+ነቶም ንብሩር ከም ዘይረብሕ ዚቘጽሩ፡ብወርቂ ድማ ደስ ዘይብሎም ከተንስእ እየ።
18 ቀስትታቶም ንኣጕባዝ ኪሕምሽሽ እዩ፣+ንሳቶም ከኣ ንፍረ ኸርሲ ኣይኪድንግጹን፡ንውሉዳት ድማ ኣይኪምሕሩን እዮም።
19 ባቢሎን፡ እታ ኻብ መንግስትታት ዝኸበረት፡*+እታ ጽባቐን ትምክሕትን ከለዳውያን፡+ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ምስ ገልበጠን ዝዀናኦ ኽትከውን እያ።+
20 ሰብ ኣብኣ ኸቶ ኣይኪነብርን፡ንውሉድ ወለዶ ኸኣ መንበሪት ኣይክትከውንን እያ።+
ዓረብ ኣብኣ ድንኳኑ ኣይኪተክልን እዩ፣ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣይኬዕርፉላን እዮም።
21 ኣራዊት ምድረ በዳ ኣብኣ በጥ ኪብሉ እዮም፣ኣባይቶም ብጕንጓታት ኪመልእ እዩ።
ሰገናት ኣብኣ ኺነብራ እየን፣+ኣጣል በረኻ ኸኣ ኣብኡ ኺሰራሰራ እየን።*
22 ዚንቅዉ እንስሳታት ኣብ ግምብታታ፡ወኻሩ* ድማ ኣብቲ ምሹእ ኣብያተ መንግስታ ኺንቅዉ እዮም።
ግዜኣ ቐሪቡ እዩ፣ መዓልትታታ ኸኣ ኣይኪናዋሕን እዩ።”+

