ኢሳይያስ 12:1-6

  • መዝሙር ምስጋና (1-6)

    • ‘ያህ የሆዋ ብርታዐይ እዩ’ (2)

12  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብርግጽ ከምዚ ኽትብል ኢኻ፦ “ኦ የሆዋ፡ ተቘጢዕካኒ እኳ እንተ ነበርካ፡ቍጥዓኻ በብቝሩብ ዝሒሉ፡ንስኻ እውን ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ አመስግነካ።+  2  እንሆ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ እዩ።+ ያህ* የሆዋ ብርታዐይን ሓይለይን እዩ፡ድሕነተይ ድማ ኰይኑ እዩ እሞ፡+ክእመን፡* ኣይክርዕድን እውን እየ።”+  3  ካብ ዓይኒ ማያት ድሕነት+ብታሕጓስ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።  4  በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ኽትብሉ ኢኹም፦ “ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፣ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ!+ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ።+  5  ዓበይቲ ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ።*+ እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ይፈለጥ።  6  እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ኣቲ ነባሪት* ጽዮን፡ ጨድሪ፡ እልል በሊ።”

እግረ ጽሑፍ

“ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ክውከል።”
ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
እዛ ብኣንስተይቲ መልክዕ ተረቚሓ ዘላ፡ ነቶም ነበርቲ ብሓፈሻ ተመልክት።