ኢሳይያስ 12:1-6
12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብርግጽ ከምዚ ኽትብል ኢኻ፦
“ኦ የሆዋ፡ ተቘጢዕካኒ እኳ እንተ ነበርካ፡ቍጥዓኻ በብቝሩብ ዝሒሉ፡ንስኻ እውን ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ አመስግነካ።+
2 እንሆ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ እዩ።+
ያህ* የሆዋ ብርታዐይን ሓይለይን እዩ፡ድሕነተይ ድማ ኰይኑ እዩ እሞ፡+ክእመን፡* ኣይክርዕድን እውን እየ።”+
3 ካብ ዓይኒ ማያት ድሕነት+ብታሕጓስ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።
4 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ኽትብሉ ኢኹም፦
“ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፣ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ!+
ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ።+
5 ዓበይቲ ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ።*+
እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ይፈለጥ።
6 እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ኣቲ ነባሪት* ጽዮን፡ ጨድሪ፡ እልል በሊ።”
እግረ ጽሑፍ
^ “ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
^ ወይ፡ “ክውከል።”
^ ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
^ እዛ ብኣንስተይቲ መልክዕ ተረቚሓ ዘላ፡ ነቶም ነበርቲ ብሓፈሻ ተመልክት።