ናሆም 2:1-13

  • ነነዌ ኽትዓኑ እያ (1-13)

    • ‘ኣፍ ደገታት ኣፍላግ ኪኽፈት እዩ’ (6)

2  ፋሕ ዜብል ኣንጻርኪ* ኺመጽእ እዩ።+ ነቲ ዕርድታት ሓልውዮ። ነቲ መገዲ ተቛመትዮ። ተዓጠቒ፡* ኵሉ ብርታዐኺ ኣክቢ።  2  እቶም መጥፋእቲ ኣጥፊኦምዎም፡+ንጨናፍሮም ከኣ ኣብሪሶምዎ እዮም እሞ፡የሆዋስ ንትምክሕቲ ያእቆብ፡ምስ ትምክሕቲ እስራኤል ኪመልሶ እዩ፣  3  ዋላቱ ጀጋኑኡ ብቐይሕ እተኣጀለ እዩ፣ተዋጋእቱ ድማ ድሙቕ ቀይሕ እተኸድኑ እዮም። በታ ንውግእ ዚዳለወላ መዓልቲ፡ሓጻውን ሰረገላታቱ ኸም ሓዊ ማሕማሕ ይብል፣ኲናውቲ ጽሕዲ* ኸኣ ይንብጥበጥ።  4  እተን ሰረገላታት በቲ ጐደናታት ከም ዕቡድ ይቀዳደማ። ኣብ ኣደባባያት ናብዝን ናብትን ይወናጨፋ። ከም ዚነድድ ፋናታት ይበርሃ፡ ከም በርቂ እውን ማሕማሕ ይብላ።  5  ንሰበ ስልጣኑ ኺጽውዖም እዩ። ንሳቶም ኪቐርቡ ኸለዉ ኺዕንቀፉ እዮም። ናብ መካበብያኣ ኺህንደዱ፡መከላኸሊ ኸኣ ኪገብሩ እዮም።  6  ኣፍ ደገታት ኣፍላግ ኪኽፈት፡ቤተ መንግስቲ እውን ኪመክኽ* እዩ።  7  ተወሲኑ እዩ፦ ንሳ ተቓሊዓ እያ፣ተወሲዳ እያ፣ ኣግራዳ ድማ ኪቝዝማ እየን፣ደረተን* ኪወቕዓ ኸለዋ፡ ደሃየን ከም ናይ ረገቢት ይመስል።  8  ነነዌ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዛ፡+ ማያት ከም ዝመልአ ሓጽቢ እያ ነይራ፣ሕጂ ግና ንሳቶም ይሃድሙ ኣለዉ። “ደው በሉ! ደው በሉ!” ገጹ ዚመልስ ግና የልቦን።+  9  ብሩር ዝመቱ፡ ወርቂ ዝመቱ! እቲ መዛግብቲ መወዳእታ የብሉን። ኵሉ ዓይነት ክቡር ነገራት ዝመልአ እዩ። 10  እታ ኸተማ ባዶ ዀይና፡ ባዲማ፡ ጠፊኣ!+ ልቦም ብፍርሂ መኺኹ፡ ኣብራኾም ተቘሊፉ፡ ሕቘኦም ራዕራዕ ኢሉ፣ኵሉ ገጾም በርበረ መሲሉ። 11  እቲ ሽደናት ኣናብስ ዚበልዑሉ፡ዜፍርሆም ዘይብሎም ከኣኣንበሳ ንዀራዅሩ መሪሑ ዝወጸሉ ሰፈር ኣናብስ ኣበይ ኣሎ፧+ 12  ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዚኣኽሎም ግዳይ ይሰላልዓሎም፡ንዋዕሮታቱ ድማ ይሓንቀለን። ንመሕብኢኡ ብግዳይ፡ንሰፈሩ ኸኣ ብእተሰላልዑ እንስሳታት ይመልኦ። 13  “እንሆ፡ ኣንጻርኪ እየ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+“ንሰረገላታታ ኣንዲደ ትኪ ኽገብሮ እየ፣+ንሽደናት ኣናብስኪ ድማ ሰይፊ ኺውሕጦም እዩ። ንግዳይኪ ኻብ ምድሪ ኽምንቍሶ እየ፣ደሃይ ልኡኻትኪ ኸኣ ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ኣንጻር ነነዌ።
ቃ.ቃ.፡ “ሕቘኺ ኣደልድሊ።”
ወይ፡ “ተርሚን።”
ወይ፡ “ኪፈርስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልበን።”