ሚክያስ 1:1-16

  • ኣብ ልዕሊ ሰማርያን ይሁዳን እተፈርደ ፍርዲ (1-16)

    • እቲ ጸገም ብሰሪ ሓጢኣትን በደልን መጸ (5)

1  ብዘመን ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን+ ነገስታት ይሁዳ፡+ ናብ ሚክያስ*+ ብዓል ሞረሸት ዝመጸ፡ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ከኣ ብራእይ ዝረኣዮ ቓል የሆዋ፦  2  “ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፡ ስምዑ! ኣቲ ምድሪ ምስቲ ንዓኺ ዝመልኣኪ ኣቕልቢ፣እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡—የሆዋ ኻብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ፡—ኣንጻርኩም ይመስክር።+  3  እንሆ፡ የሆዋስ ካብ ቦታኡ ይወጽእ ኣሎ፣ወሪዱ ድማ ንበረኽቲ ምድሪ ኺረግጾ እዩ።  4  ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፡ከምቲ ኣብ ጸድፊ ዝፈሰሰ ማያት፡ኣኽራን ኣብ ትሕቲኡ ኺመክኽ፡+ስንጭሮታት* ከኣ ኪጭደድ እዩ።  5  እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብ፡ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤል እዩ።+ በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፧ ሰማርያ ደይኰነትን፧+ በረኽቲ ይሁዳኸ እንታይ እዩ፧+ የሩሳሌም ደይኰነትን፧  6  ንሰማርያ ዅምራ ዑናታት መሮር፡ቦታ መትከሊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽገብራ እየ፣ንኣእማና ናብ ስንጭሮ ኽድርብዮ፡ንመሰረታታ ድማ ጥራዩ ኽገብሮ እየ።  7  ኵሉ ቕሩጽ ምስልታታ ኺሕምሸሽ፡+ኵሉ እቲ እተቘጽረትሉ ህያባታ* ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ።+ ንዅሎም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ። ንዓታቶምሲ ብዓስቢ ምንዝርና እያ ኣኪባቶም፡መሊሶም እውን ዓስቢ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም።”  8  ብሰሪ እዚ ዋይዋይ ክብልን ከእውን እየ፣+ጥራይ እግረይን ጥራየይን ክኸይድ እየ።+ ዋይዋይታይ ከም ናይ ወኻሩ፡*ሓዘነይ ድማ ከም ናይ ሰገናት ኪኸውን እዩ።  9  ከመይሲ፡ ቍስላ ኺሓዊ ዘይክእል እዩ፣+ክሳብ ይሁዳ መጺኡ ኣሎ።+ መዓት ናብ ኣፍ ደገ ህዝበይ ናብ የሩሳሌም ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።+ 10  “ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፣ጠሪስኩም ኣይትብከዩ። ኣብ ቤት-ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠንቀላዕላዕ በሉ። 11  ኣቱም ነበርቲ ሳፊር፡ ዓሪቕኩምን ሓፊርኩምን ተሳገሩ።* ነበርቲ ጾኣናን ኣይወጹን።* ኣብ ቤት-ኤጽል ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ፣ ደገፋ እውን ካባኻትኩም ከተርሕቕ እያ። 12  ነበርቲ ማሮትሲ ጽቡቕ ተጸብዮም፣*ክፉእ ግና ካብ የሆዋ ናብ ኣፍ ደገ የሩሳሌም መጺኡ። 13  ኣቱም ነበርቲ ላኪሽ፡+ ሰረገላ ምስ ጕጅለ ኣፍራስ እሰሩ።* ኣባኻትኩም በደላት እስራኤል ተረኺቡ እዩ እሞ፡ንስኻትኩም ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኢኹም ኔርኩም።+ 14  ስለዚ፡ ንሞረሸት-ጋት ህያባት ስንብታ ኽትህቡ ኢኹም። ኣባይቲ ኣክዚብ+ ንነገስታት እስራኤል ዜታልል እዩ ነይሩ። 15  ኣቱም ነበርቲ ማረሻ፡+ ነቲ ሰዓሪ* ኸምጽኣልኩም እየ።*+ ክብሪ እስራኤል ክሳብ ዓዱላም+ ኪመጽእ እዩ። 16  ነቶም እትፈትውዎም ደቅኹም፡ ጸጕርኹም ተመለጡሎምን ተላጸዩሎምን። ካባኺ ናብ ምርኮ ተወሲዶም እዮም እሞ፡+ከም ንስሪ ተመለጡ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሚካ።” ሚካ ኣሕጽሮት ናይ ሚካኤል (ትርጉሙ፡ “መን ከም ኣምላኽ፧”) ወይ ሚካያ (ትርጉሙ፡ “መን ከም የሆዋ፧”)።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐላጕል።”
ወይ፡ “ዓስቢ ምንዝርናኣ።”
ወይ፡ “ጋውሕታታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣቲ ነባሪት ሳፊር፡ ዓሪቕክን ሓፊርክን ተሳገሪ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነባሪት ጾኣናን ኣይወጸትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ነባሪት ማሮትሲ ጽቡቕ ተጸብያ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣትን ነበርቲ ላኪሽ፡ ሰረገላ ምስ ጕጅለ ኣፍራስ እሰራ።”
ወይ፡ “ዜልቅቕ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣቲ ነባሪት ማረሻ፡ ነቲ ሰዓሪ ኸምጽኣልኪ እየ።”