ሚክያስ 1:1-16
1 ብዘመን ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን+ ነገስታት ይሁዳ፡+ ናብ ሚክያስ*+ ብዓል ሞረሸት ዝመጸ፡ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ከኣ ብራእይ ዝረኣዮ ቓል የሆዋ፦
2 “ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፡ ስምዑ!
ኣቲ ምድሪ ምስቲ ንዓኺ ዝመልኣኪ ኣቕልቢ፣እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡—የሆዋ ኻብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ፡—ኣንጻርኩም ይመስክር።+
3 እንሆ፡ የሆዋስ ካብ ቦታኡ ይወጽእ ኣሎ፣ወሪዱ ድማ ንበረኽቲ ምድሪ ኺረግጾ እዩ።
4 ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፡ከምቲ ኣብ ጸድፊ ዝፈሰሰ ማያት፡ኣኽራን ኣብ ትሕቲኡ ኺመክኽ፡+ስንጭሮታት* ከኣ ኪጭደድ እዩ።
5 እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብ፡ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤል እዩ።+
በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፧
ሰማርያ ደይኰነትን፧+
በረኽቲ ይሁዳኸ እንታይ እዩ፧+
የሩሳሌም ደይኰነትን፧
6 ንሰማርያ ዅምራ ዑናታት መሮር፡ቦታ መትከሊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽገብራ እየ፣ንኣእማና ናብ ስንጭሮ ኽድርብዮ፡ንመሰረታታ ድማ ጥራዩ ኽገብሮ እየ።
7 ኵሉ ቕሩጽ ምስልታታ ኺሕምሸሽ፡+ኵሉ እቲ እተቘጽረትሉ ህያባታ* ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ።+
ንዅሎም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ።
ንዓታቶምሲ ብዓስቢ ምንዝርና እያ ኣኪባቶም፡መሊሶም እውን ዓስቢ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም።”
8 ብሰሪ እዚ ዋይዋይ ክብልን ከእውን እየ፣+ጥራይ እግረይን ጥራየይን ክኸይድ እየ።+
ዋይዋይታይ ከም ናይ ወኻሩ፡*ሓዘነይ ድማ ከም ናይ ሰገናት ኪኸውን እዩ።
9 ከመይሲ፡ ቍስላ ኺሓዊ ዘይክእል እዩ፣+ክሳብ ይሁዳ መጺኡ ኣሎ።+
መዓት ናብ ኣፍ ደገ ህዝበይ ናብ የሩሳሌም ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።+
10 “ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፣ጠሪስኩም ኣይትብከዩ።
ኣብ ቤት-ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠንቀላዕላዕ በሉ።
11 ኣቱም ነበርቲ ሳፊር፡ ዓሪቕኩምን ሓፊርኩምን ተሳገሩ።*
ነበርቲ ጾኣናን ኣይወጹን።*
ኣብ ቤት-ኤጽል ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ፣ ደገፋ እውን ካባኻትኩም ከተርሕቕ እያ።
12 ነበርቲ ማሮትሲ ጽቡቕ ተጸብዮም፣*ክፉእ ግና ካብ የሆዋ ናብ ኣፍ ደገ የሩሳሌም መጺኡ።
13 ኣቱም ነበርቲ ላኪሽ፡+ ሰረገላ ምስ ጕጅለ ኣፍራስ እሰሩ።*
ኣባኻትኩም በደላት እስራኤል ተረኺቡ እዩ እሞ፡ንስኻትኩም ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኢኹም ኔርኩም።+
14 ስለዚ፡ ንሞረሸት-ጋት ህያባት ስንብታ ኽትህቡ ኢኹም።
ኣባይቲ ኣክዚብ+ ንነገስታት እስራኤል ዜታልል እዩ ነይሩ።
15 ኣቱም ነበርቲ ማረሻ፡+ ነቲ ሰዓሪ* ኸምጽኣልኩም እየ።*+
ክብሪ እስራኤል ክሳብ ዓዱላም+ ኪመጽእ እዩ።
16 ነቶም እትፈትውዎም ደቅኹም፡ ጸጕርኹም ተመለጡሎምን ተላጸዩሎምን።
ካባኺ ናብ ምርኮ ተወሲዶም እዮም እሞ፡+ከም ንስሪ ተመለጡ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ሚካ።” ሚካ ኣሕጽሮት ናይ ሚካኤል (ትርጉሙ፡ “መን ከም ኣምላኽ፧”) ወይ ሚካያ (ትርጉሙ፡ “መን ከም የሆዋ፧”)።
^ ወይ፡ “ዓሚቝ ጐላጕል።”
^ ወይ፡ “ዓስቢ ምንዝርናኣ።”
^ ወይ፡ “ጋውሕታታት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣቲ ነባሪት ሳፊር፡ ዓሪቕክን ሓፊርክን ተሳገሪ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ነባሪት ጾኣናን ኣይወጸትን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ነባሪት ማሮትሲ ጽቡቕ ተጸብያ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣትን ነበርቲ ላኪሽ፡ ሰረገላ ምስ ጕጅለ ኣፍራስ እሰራ።”
^ ወይ፡ “ዜልቅቕ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣቲ ነባሪት ማረሻ፡ ነቲ ሰዓሪ ኸምጽኣልኪ እየ።”