ሚልክያስ 4:1-6

  • መዓልቲ የሆዋ ኸይመጸት፡ ኤልያስ ይመጽእ (1-6)

    • ‘ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቕ እያ’ (2)

4  “እንሆ፡ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ፣+ ሽዑ፡ ኵሎም ተዳፈርትን ኵሎም እከይ ዚገብሩን ከም ሓሰር ኪዀኑ እዮም። እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ብርግጽ ክትበልዖም እያ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ሱር ኰነ ጨንፈር እውን ኣይክትሓድገሎምን እያ። 2  ንዓኻትኩም ስመይ ንእተኽብሩ* ግና፡ ጸሓይ ጽድቂ ኣብ ጩራታታ* ምሕዋይ ሒዛ ኽትበርቕ እያ፣ ከም ዝሰብሑ ምራኹት ድማ ክትዕንድሩ ኢኹም።” 3  “በታ ስጕምቲ ዝወስደላ መዓልቲ፡ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ ኣእጋርኩም ከም ሓመድ ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ንእኩያት ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክትረግጽዎም ኢኹም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 4  “ሕጊ ጊልያይ ሙሴ፡ እቲ ዅሉ እስራኤል ኪእዘዞ ኣብ ሆሬብ ዝሃብክዎ ስርዓታትን ፍርድታትን ዘክሩ።+ 5  “እንሆ፡ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ኸይመጸት፡+ ነብዪ ኤልያስ እልእከልኩም ኣለኹ።+ 6  ኣነ መጺአ ንምድሪ ምእንቲ ኸይወቕዓን ከየጥፍኣንሲ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ እውን ናብ ኣቦታት ኪመልስ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንእትፈርሁ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣኽናፋ።”