ሆሴእ 5:1-15
-
ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ይሁዳን እተፈርደ ፍርዲ (1-15)
5 “ኣቱም ካህናት፡ እዚ ስምዑ፣+ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣቕልቡ፣ኣቱም ቤት ንጉስ፡ ጽን በሉ፣ንሚጽጳ መጻወድያ፡ኣብ ታቦር+ ከኣ እተዘርግሐ መርበብ ስለ ዝዀንኩምሲ፡እዚ ፍርዲ ንዓኻትኩም ዚምልከት እዩ።
2 እቶም ዚወድቁ* ኣብ ማሕረዲ ኣመና ይጥሕሉ፣ኣነ ኸኣ ንዅላቶም አጠንቅቖም ኣለኹ።*
3 ኣታ ኤፍሬም፡ ሕጂ ምንዝርና ኣብዚሕካ ኢኻ፡እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፡+ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፣እስራኤል እውን ኣይተሓብኣንን።
4 ኣብ መንጎኦም መንፈስ ምንዝርና ኣሎ እሞ፡+ግብርታቶም ናብ ኣምላኾም ኪምለሱ ኣይፈቕደሎምን እዩ፣ንየሆዋ ኸኣ ኣይፈለጥዎን።
5 ትምክሕቲ እስራኤል ኣንጻሩ* መስኪሩ ኣሎ፣+እስራኤልን ኤፍሬምን ብስሕተቶም ተዓንቂፎም ኣለዉ፣ይሁዳ እውን ምሳታቶም ተዓንቂፉ ኣሎ።+
6 ብጤለ በጊዖምን ብኸብቶምን ንየሆዋ ኺደልይዎ ኸይዶም እዮም፣ኪረኽብዎ ግና ኣይከኣሉን።
ንሱስ ካባታቶም ርሒቑ እዩ።+
7 ጓኖት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ፡ንየሆዋ ጠሊሞምዎ እዮም።+
ሕጂ፡ ሓንቲ ወርሒ ምስ ግዲኦም* ክትውሕጦም እያ።*
8 ኣብ ጊብዓ መለኸት ቀርኒ፡+ ኣብ ራማ መለኸት ንፍሑ!+
ኣብ ቤት-ኣዌን+ ጭድርታ ውግእ ጨድሩ፡—ኣታ ብንያም፡ ድሕሬኻ!
9 ኣታ ኤፍሬም፡ ብመዓልቲ መቕጻዕቲ መሰክሒ ኽትከውን ኢኻ።+
ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ብርግጽ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍሊጠ ኣለኹ።
10 መሳፍንቲ ይሁዳ ኸምቶም ዶብ ዜግዕዙ እዮም።+
ነድረይ ከም ማይ ክኽዕወሎም እየ።
11 ኤፍሬም ደድሕሪ ተጻራሪኡ ኪኸይድ ቈሪጹ እዩ እሞ፡+ተጨቊኑ፡ ብፍርዲ ኸኣ ተደቚሱ እዩ።
12 ስለዚ፡ ኣነ ንኤፍሬም ከም ብልዒ፡*ንቤት ይሁዳ ድማ ከም ቍንቍነ ነይረ።
13 ኤፍሬም ሕማሙ፡ ይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረኣየ፡ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከይዱ፡+ ዓብዪ ንጉስ እውን ልኢኹ።
ግናኸ፡ ኬሕውየኩም ኣይከኣለን፣ቍስልኹም እውን ኪፍውስ ኣይከኣለን።
14 ኣነስ ንኤፍሬም ከም ዘይባጽሐ ኣንበሳ፡ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክዀኖ እየ።
ኣነ ባዕለይ ሰላሊዐ ክኸይድ እየ፣+ክወስዶም እየ፡ ዜናግፎም እውን ኣይኪህሉን እዩ።+
15 ሳዕቤናት በደሎም ክሳዕ ዚጾሩ ክኸይድ፡ ናብ ቦታይ እውን ክምለስ እየ፣ሽዑ ድማ፡ ሞገሰይ* ኪደልዩ እዮም።+
ምስ ጨነቖም፡ ኪደልዩኒ እዮም።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ዓለወኛታት።”
^ ወይ፡ “ኣነ ንዅላቶም ክግስጾም እየ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ገጹ።”
^ ወይ፡ “ምስ ግዲኦም ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወርሒ ኺውሓጡ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ግራውቶም።”
^ ማለት፡ ግዝዋ ኣኽናፍ ቅድሚ ምውጻኡ፡ ክዳን ኣብ ዚበልዓሉ ደረጃ።
^ ወይ፡ “ገጸይ።”