እብራውያን 3:1-19

3  ስለዚ፡ ኣቱም ኣብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኩም ቅዱሳት ኣሕዋት፡ ናብቲ እንእመነሉ ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ዝዀነ የሱስ ኣስተብህሉ።  ከምቲ ሙሴ ኣብ ቤት ኣምላኽ እሙን ዝነበረ፡ ንሱ እውን ነቲ ዝሸሞ እሙን እዩ።  ከምቲ ሰራሕ ቤት ካብታ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንሱ እውን ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ዚግብኦ ዀይኑ ተቘጺሩ እዩ።  ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ።  ሙሴ ብዛዕባ እቲ ደሓር ዚንገር ከም ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤት ኣምላኽ እሙን ነበረ፣  ክርስቶስ ግና ከም ወዲ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ። ነቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓትን ነታ ኽሳዕ መወዳእታ እንምክሓላ ተስፋን ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያስ፡ ንሕና ቤት ኣምላኽ ኢና።  ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡  ከምቲ ኣብ በረኻ ብመዓልቲ ፈተና ዝነደርኩሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ።  ሽዑ ኣቦታትኩም ንኣርብዓ ዓመት ግብረይ ርእዮም ክነሶምሲ፡ ተሃላለኹንን ፈተኑንን። 10  ስለዚ፡ ነዚ ወለዶ እዚ ፈንፈንክዎ እሞ፡ ‘ኵሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ፡ ንመገደይ እውን ኣይፈለጥዎን’ በልኩ። 11  ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም’ ኢለ መሓልኩ።” 12  ኣሕዋተየ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብቲ ህያው ኣምላኽ ብምርሓቕ፡ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህልዎ፡ ተጠንቀቑ፣ 13  ግናኸ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ብሓጢኣት ተታሊሉ ኸይተርር፡ “ሎሚ” ኽሳዕ እተባህለ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ። 14  ነታ ኣብ መጀመርታ ዝነበረትና እምንቶ ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያስ፡ መማቕልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣለና። 15  እዚ ድማ፡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከምቲ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ” ኸም እተባህለ እዩ። 16  ሰሚዖም ዘነደርዎኸ መን እዮም፧ ኵሎም እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ደይኰኑን፧ 17  ንመንከ እዩ ኣምላኽ ንኣርብዓ ዓመት ዝፈንፈኖም፧ ነቶም ዝሓጥኡ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧ 18  ንመንከ እዩ ናብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሓለሎም፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧ 19  ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉ ኸኣ ንርኢ ኣለና።

እግረ ጽሑፍ