ራእይ 12:1-17

12  ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፣ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ ነበረት፣ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ እውን ኣብ ርእሳ ነበራ፣  ጥንስቲ ድማ ነበረት። ቅልውላው ስለ ዝሓዛ ኸኣ፡ ክትወልድ ትጸዓርን ትጭርሕን ነበረት።  ካልእ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ። እንሆ፡ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱ እውን ሸውዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፣  ጭራኡ ኸኣ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሓበ፡ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።  ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ዚጓስዮም ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንዝዐ።  እታ ሰበይቲ ድማ፡ 1,260 መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብ በረኻ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ሃደመት።  ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፦ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ፣ እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም፣  ግናኸ፡ ኣይሰዓሩን*፣ ድሕርዚ ቦታኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን።  እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ። 10  ኣብ ሰማይ ከኣ ከምዚ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ፦ “እቲ መዓልትን ለይትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸስሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ድሕነትን ሓይልን መንግስትን ናይ ኣምላኽና፡ ስልጣን ከኣ ናይ ክርስቶሱ ዀይኑ እዩ! 11  ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዓርዎ፣ ኣብ ቅድሚ ሞት እኳ፡ ንነፍሶም* ኣየፍቀርዋን። 12  ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያትን ኣባታቶም እትነብሩን፡ ተሓጐሱ! ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም።” 13  እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። 14  ነታ ሰበይቲ ግና፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ግዜን ግዜያትን ፍርቂ ግዜን* ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ቦታኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። 15  እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ ኸም ውሒዝ ዝበለ ማይ ካብ ኣፉ ተፍአ። 16  ምድሪ ግና ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፣ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዝተፍኦ ውሒዝ ወሓጠቶ። 17  እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ፣ ምስቶም ትእዛዛት ኣምላኽ ዚሕልዉን ብዛዕባ የሱስ ዚምስክሩን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ድማ ከደ።

እግረ ጽሑፍ

ራእ 12:8 * ቃል ብቓሉ፡ “ኣይሰዓረን።” እዚ ነቲ ገበል የመልክት።
ራእ 12:11 * ወይ፡ “ንህይወቶም።”
ራእ 12:14 * ማለት፡ ሰለስተ ግዜን ፈረቓን።