ማርቆስ 4:1-41
4 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኺምህር ጀመረ። ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ጥቓኡ ስለ እተኣከበ ኸኣ፡ ኣብ ጃልባ ደዪቡ፡ ካብ ገምገም ርሒቑ ተቐመጠ፣ ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና ኣብ ጥቓ ባሕሪ፡ ኣብ ገምገም ነበረ።
2 ብምሳሌታት ድማ ብዙሕ መሃሮም፣ ኣብ ትምህርቱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦
3 “ስምዑ። እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ።
4 ኪዘርእ ከሎ ኸኣ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፣ ኣዕዋፍ መጺአን ድማ በልዓኦ።
5 ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኸውሒ ወደቐ፣ ዓሚቝ ሓመድ ስለ ዘይብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ።
6 ጸሓይ ምስ በረቐት ግና ሓረረ፣ ሱር ስለ ዘይብሉ ድማ ነቐጸ።
7 ገሊኡ እውን ኣብ ማእከል ኣእሻዅ ወደቐ፣ እቲ ኣእሻዅ ድማ ዓብዩ ሓነቖ፡ ፍረ እውን ኣይፈረየን።
8 ገሊኡ ግና ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ እሞ፡ በቘለን ዓበየን፣ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሚእቲ ድማ ፈረየ።”
9 ኣስዒቡ፡ “ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በለ።
10 ንበይኑ ምስ ኰነ ኸኣ፡ እቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ምሳሌታት ሓተትዎ።
11 ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንዓኻትኩም፡ እቲ ቕዱስ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ተዋሂቡኩም ኣሎ፣ ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ግና፡ ኵሉ ምሳሌታት እዩ ዚዀኖም፣
12 ስለዚ ድማ፡ ምርኣይሲ ይርእዩ፡ ግናኸ ኣየስተብህሉን፣ ምስማዕሲ ይሰምዑ፡ ግናኸ ኣየስተውዕሉን፡ ኣይምለሱን፡ ይቕረ እውን ኣይበሃለሎምን።”
13 ብተወሳኺ ኸምዚ በሎም፦ “ነዛ ምሳሌ እዚኣ ኸይፈለጥኩምዋስ፡ ከመይ ጌርኩም ንዅሉ ምሳሌታት ከተስተውዕሉ ኢኹም፧
14 “እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል እዩ ዚዘርእ።
15 እቶም እቲ ቓል ኣብ እተዘርኦ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እምበኣር እዚኣቶም እዮም፣ ምስ ሰምዑ ግና፡ ብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርአ ቓል ይወስዶ።
16 ከምኡ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ፡ እዚኣቶም እዮም፣ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ።
17 ኣባታቶም ሱር ስለ ዘይሰደደ ግና፡ ንግዜኡ ጥራይ እዮም ዚጸንሑ፣ ስለ እቲ ቓል፡ ጸበባ ወይ መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ ድማ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፉ።
18 ኣብ ኣእሻዅ እተዘርኡ ኻልኦት እውን ኣለዉ፣ እዚኣቶም ነቲ ቓል ይሰምዑ፣
19 ጭንቀት እዚ ስርዓት ዓለምን ምትላል ሃብትን ካልእ ትምኒታትን ግና፡ ኣትዩ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ዘይፈሪ ድማ ይኸውን።
20 እቶም ኣብ ጽቡቕ መሬት እተዘርኡ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖም ዚቕበልዎ እዮም፣ ሰላሳ፡ ስሳ፡ ሚእቲ ድማ ይፈርዩ።”
21 ከምዚ ድማ በሎም፦ “መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይ ኣብ ትሕቲ ዓራት ይግበር እዩ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ደይኰነን ዚስቀል፧
22 ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን፣ ዘይግለጽ ስዉር እውን የልቦን።
23 ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”
24 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ንእትሰምዕዎ ኣቕልቡሉ። ብእትሰፍርዎ መስፈሪ ኺስፈረልኩም፡ ኪውሰኸልኩም እውን እዩ።
25 ከመይሲ፡ ንዘለዎ ይውሰኾ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እኳ ይግደፍ።”
26 ከምዚ ድማ በሎም፦ “መንግስቲ ኣምላኽ፡ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብ እያ።
27 ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን፣ እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጠ ይበቍልን ይዓብን።
28 እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፣ ቅድም ብቝሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ እኽሊ።
29 ምስ በጽሐ፡ ቀውዒ ስለ ዝኣኸለ፡ ብኡብኡ ማዕጺዱ ይሰድድ።”
30 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ንመስላ፧ ወይስ ብምንታይ ምሳሌ ንግለጻ፧
31 ኣብ ምድሪ ኣብ እተዘርኣትሉ እዋን፡ ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ ዝደቐቐት ፍረ ኣድሪ ትመስል።
32 ምስ ተዘርአት ግና፡ ትበቍል፡ ካብ ኵሉ ኣሕምልቲ ትዓቢ፣ ዓበይቲ ጨናፍር ስለ እትገብር ከኣ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ጽላላ ይሰፍራ።”
33 ኪሰምዑ ኽሳዕ ዝኸኣሉ ኸኣ፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ብዙሕ ምሳሌታት ይዛረቦም ነበረ።
34 ብዘይ ምሳሌ ኣይዛረቦምን ነበረ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ግና በይኖም ገይሩ ዅሉ ይገልጸሎም ነበረ።
35 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ምስ መሰየ፡ “ናብ ስግር ንሳገር” በሎም።
36 ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንዕኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ፣ ካልኦት ጃለቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ።
37 ኰነ ድማ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ተላዕለ፣ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ይጸፍዓ ነበረ።
38 ንሱ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣተንሲኦም ድማ፡ “መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን ኢኻ፧” በልዎ።
39 ንሱ ተንሲኡ ኸኣ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ “ዝግ በል! ህዳእ!” በሎ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ።
40 “ስለምንታይ እትጃጅዉ፧ ገናዶ እምነት የብልኩምን፧” ድማ በሎም።
41 ንሳቶም ግና ኣዝዮም ፈርሁ፡ ንሓድሕዶም እውን፡ “እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዝዎስ፡ መን ኰን እዩ፧” ተባሃሃሉ።