ሉቃስ 8:1-56

8  ደድሕርዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ኣብ ከከተማን ኣብ ቈቍሸትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ፣  ካብ እኩያት መናፍስትን ካብ ሕማማተንን ዝሓወያ ገለ ኣንስቲ፡ እታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ መግደላዊት እትብሃል ማርያም፡  ዮሃና ሰበይቲ እቲ ኩዛ ዚብሃል ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳናን ብዙሓት ካልኦት ኣንስትን እውን ነበራ፣ ንሳተን ብገንዘበን የገልግላኦም ነበራ።  ብዙሓት ህዝቢ ምስቶም ናብ ከከተማ ዝኸዱ ምስ ተኣከቡ፡ ብምሳሌ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦  “ሓደ ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ኸኣ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ እውን፣ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ በልዓኦ።  ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፣ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ፡ ነቐጸ።  ገሊኡ እውን ኣብ ማእከል ኣእሻዅ ወደቐ፣ እቲ ምስኡ ዝዓበየ ኣእሻዅ ድማ ሓነቖ።  ገሊኡ ኸኣ ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ እሞ፡ ምስ በቘለ፡ ሚእቲ ዕጽፊ ፈረየ።” እዚ ምስ በለ፡ “ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” ኢሉ ጨደረ።  ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ እዛ ምሳሌ እዚኣ እንታይ ማለት ምዃና ሓተትዎ። 10  ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንዓኻትኩም፡ ምስትውዓል እቲ ቕዱስ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ተዋሂቡኩም ኣሎ፣ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑ እውን ምእንቲ ኸየስተውዕሉስ፡ ምሳሌታት እዩ ዚዀኖም። 11  እታ ምሳሌ ኸምዚ ማለት እያ፦ እቲ ዘርኢ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ። 12  እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ ዘለዉ፡ ዝሰምዑ እሞ፡ ድሕሪኡ ድያብሎስ መጺኡ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ዚወስዶ እዮም። 13  እቶም ኣብ ከውሒ ዘለዉ፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ ብሓጐስ ዚቕበልዎ፡ ግናኸ ሱር ዘይብሎም እዮም፣ ንግዜኡ እዮም ዚኣምኑ፣ ብግዜ ፈተና ግና ይወድቁ። 14  እቲ ኣብ ኣእሻዅ ዝወደቐ ኸኣ፡ እዚኣቶም ዝሰምዑ፡ ግናኸ ብናይ እዚ ህይወት እዚ ጭንቀትን ሃብትን ተድላን ስለ ዚውሰዱ፡ ምሉእ ብምሉእ ዚሕነቑ፡ ዋላ ሓንቲ እውን ዘይፈርዩ እዮም። 15  እቶም ኣብ ጽቡቕ መሬት ዘለዉ ድማ፡ እዚኣቶም ነቲ ቓል ብቕኑዕን ብጽቡቕን ልቢ ምስ ሰምዕዎ፡ ዚዓቝርዎ፡ ብተጻዋርነት ከኣ ፍረ ዚፈርዩ እዮም። 16  “መብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኢሉ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል የቐምጦ እምበር፡ ብኣቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን። 17  ከመይሲ፡ ዘይገሃድ ሕቡእ፡ ከቶ ዘይፍለጥን ከቶ ዘይግለጽን ስዉር የልቦን። 18  እምበኣር፡ ንዘለዎ ይውሰኾ፡ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ይግደፍ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ።” 19  ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፣ ብምኽንያት እቲ ህዝቢ ግና ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። 20  “ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ” ተባሂሉ ድማ ተነግሮ። 21  ንሱ ኸኣ፡ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገብርዎን እዮም” ኢሉ መለሰሎም። 22  ኰነ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ጃልባ ደየቡ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ናብ ስግር ቀላይ ንሳገር” በሎም። ከዱ እውን። 23  ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንሱ ደቀሰ። ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ናብቲ ቐላይ ወረደ፣ ነታ ጃልባ ማይ መልኣ፡ ኣብ ሓደጋ እውን ወደቑ። 24  ናብኡ ቐሪቦም ከኣ፡ “መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና!” እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ፡ ንንፋስን ንማዕበል ማይን ገንሖም እሞ፡ ዝግ በሉ፡ ህድኣት እውን ኰነ። 25  ሽዑ፡ “እምነትኩም ኣበይ ኣላ፧” በሎም። ፈሪሆም ከኣ፡ “እዚ ንንፋሳትን ንማይን ዚእዝዞም እሞ፡ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧” እናተባሃሃሉ ተገረሙ። 26  ኣብ መንጽር ገሊላ ናብ ዘሎ ሃገር ጌራሴኖስ ተሳገሩ። 27  ናብ ምድሪ ምስ ወረደ፡ ካብ ከተማ፡ ኣጋንንቲ ዘለውዎ ሰብኣይ ተጓነፎ። ንሱ ንነዊሕ ግዜ ኽዳን ኣይተኸድነን፣ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ኣይቅመጥን ነበረ። 28  ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍአ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ እውን፡ “ኦ የሱስ ወዲ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይተሳቕየኒ እልምነካ ኣለኹ” በሎ። 29  (ከመይሲ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ይእዝዞ ነበረ። ምኽንያቱ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣጽኒዑ ሒዝዎ ነበረ፡ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ እኳ እንተ ነበረ፡ ንመእሰሪኡ ይብጥሶ፡ በቲ ጋኔን ድማ ናብ ጽምዊ ቦታታት ይውሰድ ነበረ።) 30  የሱስ ድማ፡ “መን እዩ ስምካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣትዮምዎ ነበሩ እሞ፡ “ለጌዎን”* በለ። 31  ናብ መዓሙቝ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ። 32  መጓሰ ብዙሓት ሓሰማታት ከኣ ኣብቲ ኸረን ይበልዕ ነበረ፣ ናብኡ ንምእታው ኪፈቕደሎም ድማ ለመንዎ። ንሱ እውን ፈቐደሎም። 33  እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፣ እቲ መጓሰ ኻብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ቀላይ ኣተወ፡ ጠሓለ እውን። 34  እቶም ጓሶት ግና፡ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን ድማ ኣውረዩ። 35  እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ፣ ናብ የሱስ መጹ፡ ነቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ ከኣ ተኸዲኑን ናብ ልቡ ተመሊሱን ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ፡ ፈርሁ። 36  እቶም ዝረኣዩ ድማ፡ እቲ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየ ኣውረዩሎም። 37  እቶም ኣብ ጐደቦታት ጌራሴኖስ ዚነብሩ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፡ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪርሕቕ ለመንዎ። ንሱ ድማ ኣብ ጃልባ ደዪቡ ኣልገሰ። 38  እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ ግና፡ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ፣ ንሱ ግና ነቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ኣሰናበቶ፦ 39  “ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበረልካ ድማ ኣዘንቱ።” ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ እንታይ ከም ዝገበረሉ ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ኣውረየ። 40  የሱስ ምስ ተመልሰ፡ እቶም ህዝቢ ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ ተቐበልዎ። 41  እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፣ ንሱ መራሕ ምኵራብ እዩ ነይሩ። ኣብ እግሪ የሱስ ተደፊኡ ድማ፡ ናብ ቤቱ ኺኣቱ ለመኖ። 42  ከመይሲ፡ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት ኣቢላ እትኸውን ሓንቲ ጓል ጥራይ ነበረቶ፣ ንሳ ድማ ክትመውት ቀሪባ ነበረት። ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ይደፋፍእዎ ነበሩ። 43  ንዓሰርተው ክልተ ዓመት ደም ዚፈስሳ ዝነበረ ሰበይቲ ነበረት፣ ዜሕውያ እውን ክትረክብ ኣይከኣለትን። 44  ብድሕሪኡ ቐሪባ ኸኣ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት እሞ፡ ብቕጽበት እቲ ዚፈስስ ደማ ኣቋረጸ። 45  የሱስ ድማ፡ “መን እዩ ዝተንከየኒ፧” በለ። ኵላቶም ኣሉ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ፡ “መምህር፡ ህዝቢ ይጸቓቕጠካን ይደፋፍኣካን ኣሎ” በሎ። 46  የሱስ ግና፡ “ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ተፈሊጡኒ እዩ እሞ፡ ዝተንከየንስ ኣሎ” በለ። 47  እታ ሰበይቲ ኸም ዘይተሓብአት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍአት፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ስለምንታይ ከም ዝተንከየቶን ከመይ ኢላ ብቕጽበት ከም ዝሓወየትን ተዛረበት። 48  ንሱ ግና፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ፣ ብሰላም ኪዲ” በላ። 49  ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ እንዳ እቲ መራሕ ምኵራብ መጺኡ፡ “ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ” በሎ። 50  የሱስ ሰሚዑ፡ “ኣይትፍራህ፡ እመን ጥራይ፡ ክትድሕን እያ” ኢሉ መለሰሉ። 51  ናብታ ቤት ምስ በጽሐ፡ ብዘይካ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን። 52  ኵላቶም ድማ ይበኽዩላን ደረቶም ይወቕዑላን ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ፡ ኣይትብከዩ” በሎም። 53   ንሳቶም ከኣ ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሓቕዎ። 54  ንሱ ግና ብኢዳ ሒዙ፡ ዓው ኢሉ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ። 55  መንፈሳ* ተመልሰ እሞ፡ ብቕጽበት ተንስአት፣ ንሱ ድማ ዚብላዕ ኪውሃባ ኣዘዘ። 56  ወለዳ ኸኣ ተደመሙ፣ ንሱ ግና እቲ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።

እግረ ጽሑፍ

ሉቃ 8:30 * ኣብ ማቴ 26:53፡ ኣብ እግረ ጽሑፍ ርአ።
ሉቃ 8:55 * ወይ፡ “ሓይሊ ህይወታ።”