ንዘለኣለም ምንባር ይከኣል ድዩ፧
እንታይ ይመስለካ፧
እወ
ኣይፋል
ምናልባት
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29።
እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧
ምስ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን፡ ሓጐስን ሰላምን ዝሰፈኖ መጻኢ ይህልወካ።—ኤርምያስ 29:11።
ንሓጺር ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ብህይወት ትነብር።—መዝሙር 22:26።
ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧
እወ ንኽእል ኢና! ስለምንታይ ከም እንኣምኖ ንምፍላጥ፡ ኣብቲ ኣብዛ ብሮሹር ዚርከብ ሰለስተ ትምህርቲ ቐሪቡ ዘሎ መርትዖ ርአ። ኣርእስትታቱ ኸምዚ ይብል፦