ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

JW LIBRARY

ታሪኽ ተጠቐም—iOS

ታሪኽ ተጠቐም—iOS

JW Library ኣየኖት ዓንቀጻትን ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስን ከም ዘንበብካ ዜርኢ ታሪኽ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ጠቓሚ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣብቲ ታሪኽ ጠዊቕካ ናብቲ ኣቐዲምካ ዘንበብካዮ ጥቕሲ ኽትምለስ ትኽእል ኢኻ።

ታሪኽ ክትጥቀም እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ናብ ታሪኽ ኪድ

ነታ መጽሓፍ ቅዱስ (Bible) እትብል ምልክት ጠዊቕካ ብምሓዝ፡ ዝርዝር እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘንበብካዮ ጥቕስታት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብቲ ታሪኽ ዘሎ ጥቕሲ ጠዊቕካ ድማ፡ ናብቲ ጥቕሲ ወይ ዓንቀጽ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ነታ ሕታማት (Publications) እትብል ምልክት ጠዊቕካ ብምሓዝ፡ ዝርዝር እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘንበብካዮ ዓንቀጻት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብቲ ታሪኽ ዘሎ ዓንቀጽ ጠዊቕካ ድማ፡ ናብቲ ዓንቀጽ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

 ታሪኽ ኣጽሪ

ነቲ ዝርዝር ታሪኽ ክትከፍቶ እንተ ደሊኻ፡ ነተን መጽሓፍ ቅዱስ (Bible) ወይ ሕታማት (Publications) ዚብላ ምልክታት ጠውቀን። ነቲ ዝርዝር ከተጥፍኦ እንተ ደሊኻ ድማ፡ ነታ ኣጽሪ (Clear) እትብል ምልክት ጠውቃ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ ግንቦት 2014 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.2 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ iOS 6.0 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ iOS ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—iOS” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።